Tuesday, May 19, 2015

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝርከቡ ተማሃሮ ንኢህወዴግ ኣይንመርፅን ስለ ዝበሉ ፀረ ልምዓት ተባሂሎም ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ።



ኣብ ከተማ መቐለ  ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዝማሃሩ ተማሃሮ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ከካይዶ ዝሓስብ ዘሎ መረፃ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባሎም ጥራሕ ካድረታት እቲ ስርዓት ህዝቢ ዓመፅ ንኸካይድ ፀረ ልምዓት ምንቅስቓስ ኣብ ምክያድ ተረኺቦም ብዝብል ብ4 ግንቦት 2007 ዓ/ም ኤፍሬም ንጋቱ ዝተበሃለ ደሴ ዝዓዱ፤ ስራክ ፍትዊ  ዝተባሃለ ኣምቦ ዝዓዱ ዝርከብዎም ተማሃሮ ከም ዝተኣስሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ተማሃሮ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ-ወያነ ኣብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ተኣሲሮም ዝርከቡ እንትኾኑ እዚ ከምዚ ዓይነት ተማሃሮ ናይ ምእሳር ተግባር ድማ ኣብ መላእ ሃገር ይፍፀም ከም ዘሎ ክንገልፅ ምፅናሕና ይፍለጥ።