ኣብ ባህር-ዳር ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝርከቡ መምህራንን
ተማሃሮን። ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ኣይቕበሉን ተባሂሎም ዝተኣመነሎም ኣብ እዋን መረፃ ተቓዉሞ ከየካይዱ ምእንቲ
ቅድሚ እቲ መረፃ ኣንፃር መንግስቲ ጎስጓስ ኣካይድኩም ዝብል ምኽንያት ብምፍጣር ኣካላት ፀጥታ ጨዉዮም ከም ዝወሰድዎም ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።
ካብ’ቶም ዝተጨወዩ መምህራን ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ
ኣገንዉ ምስክር፤ ሰለሙን ይመር፤ ማሓመድ ዓብዲ፤ ምህርት ዝናሽ ኣስማማዉን ካልኦትን እትኾኑ፦
ካብ’ቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ
ከኣ ዴሴ በጓለ፤ ሰጠኝ ሲሳይን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ተጨዉዮም ምስ ተወሰዱ ኣበይ ከም ዝኣተዉ ዘይፍለጡን
ገና እቲ ናይ ምጭዋይ ተግባር ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ካልኦት ዩኒቨርሲቲ ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ድህንነት ገዛኢ ስርዓት እናተመርሐ
ይቕፅል ምህላዉ ተፈሊጡ።