ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዞባ ፍሉይ ቦታ እድሪስ ዝርከቡ ልኡዃት ካድረታት ህወሓት
ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግፍዒ ይፍፅሙ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብምዃኑ ድማ ብዘይ ሕጋዊ መሬት ሓሪስኩም ዝብል
ናይ ሓሶት ምኽንያት ፈጢሮም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2007 ካብ ድኻታት ወገናትና 1660 ኩንታል ሰሊጥ ተወሲዱ በቶም ካድረታት
ብጨረታ ዝተሸጠ እንትኾን ነቲ ተግባር ንዝፈፀሙ ስካዉት 15,000 ብር ንብፀረ ሽፍታ ዝፍለጡ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ድማ
10,000 ሽሕ ብር ካብ’ቲ ሽይጣት ብሽም ሽልማት በቶም ካድረታት ከም ዝተበርከተሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብቲ ከባቢ ከይወፃና። ኣብ ዓዲ ጎሹ ብ2006 ዓ/ም “ማሕበር ሰፋሮ”
ተባሂሉ ዝፅዋዕ በቲ ገዛኢ ስርዓት ዝተወደበ ማሕበር ምቛሙ ድሕሪ ምግላፅ ዜጋታት ዝበፅሖም በደል ንምኽሳስ ናብ ፖሊስ ጣብያ ኣብ
ዝኸድሉ ጉዳዮም ተፃርዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ክንዲ ዝረአ ጉዳዮም ናብቲ ማሕበር ተመሪሑ ብሓለፍቲ እቲ ማሕበር ክረአ ይግበር
ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ማሕበር ንኣረይቲ ወርቅን ንወፍረ ዘመትን ንምቁፅፃር ዓሊሙ ዝቖመ ሕጋዉነት
ዘይብሉ እንትኾን ጉዳዮም ንምስማዕ ካብ 300 ብር ንላዕሊ እናኽፈሉ ፖሊስ፤ ምልሻ ፀረ ሽፍታን ስካዉትን ተባሂሎም በቲ ስርዓት
ዝፅዉዑ ተኻፊሎም ከም ዝበልዕዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ካብ ‘ቶም ፀረ ህዝቢ ተግባር ዝፍፅሙ ዘለዉ ድማ ኣምሓዳሪ ጣብያ ዓዲጎሹ
የኛዉ ደርበዉ፤ ሓላፊ ፖሊስ ኣብርሃ፤ ኣባል ፀጥታ ገብርሄት/ወዲ እገላ/ ሓላፊ ማሕበር ሰፋሮ ዓዲጎሹን እድሪስ ኣብራሂምን፤ ሓላፊ
ስካዉት ፋቲንጋ ፀጋይን ምዃኖም እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።