Saturday, May 14, 2016

ኣብ ወላይታ ሰዶ ዩኒቨርስቲ ፀገም ሰናይ ምምሕዳርን ክራይ ኣካብነትን ኣዝዩ ዝጋዕዘየ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላክቶ፣ ወላይታ ሰዶ ዩኒቨርስቲ ብፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ክራይ ኣካብነትን ካብ ዘለዋ ትካላት ዩኒቨርስቲ  እቲ ዝኸፈአ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርድኦ ሰንበቴ ዝበሃል ፕሬዝዳንት እቲ ዩኒቨርስቲ ካብ ካልእ ቦታ ተቐይሩ ድሕሪ ምምፅኡ ማዓልታዊ ንዝረአዩ ፀገማትን ንዝቐርበሉ ጥርዓናትን  ሕግን ኣሰራርሓን ተኸቲሉ ግቡእ ምላሽ ኣብ ክንዲ ምሃብ ብኣንፃሩ ኣብ ምፍርራሕን ብውልቀ ሰባት እናተጎጃጀለ ኣንፈቱ ዝጠፈኦ ምምሕደራዊ ግዕዚና ብምስፍሕፍሑ ናይቲ ግቢ ሰራሕተኛታት ይኹኑ ሓፈሻዊ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ማሕበረሰብ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ብፍላይ ነቲ ክፍተታት ተጠቒሞም ኣብ ክራይ ኣካብነትን ግዕዚናን ካብ ምጥሓሎም ንላዕሊ  ኣብቲ ትካል ብኔት ወርክ ወይ ብመርበብ ሓደ ንሓሙሽተን ብከባብን ዓሌታዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ንኽስፍሕፋሕ በሪ ከፊቱ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ካብዚ ዝተልዓለ ድማ ፍታሕ ዝሰኣኑ ሰራሕተኛታት እቲ ዩኒቨርስቲ መራሎምን ናይ ስራሕ ወነኦምን ቀኒሱ ካብቲ ቦታ ጠንጢኖሞ ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናተበረኸተ ይኸይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ወጥርን ዘይምርግጋዕን ተፈጢሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment