Saturday, May 14, 2016

ኣብ ከተማ ዴሴ ብነጋዶን ሰብ ሹቓትን ንሰለሰተ መዓልቲ ዝቐፀለ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ከም ዘካየዱ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመስረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ፣ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ  ዎሎ ከተማ ደሴ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ክፈሉ ብዝብል ትእዛዝ ድሕሪ ምውሃቦም፣ ናይታ ከተማ ነጋዶን ሰብ ሹቛትን ተሓባቢሮም ነቲ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ካብ ዕለት (24 -26)ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ከም ዘካየድዎ ኣገንዚቡ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ነጋዶ ናይታ ከተማ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ግብሪ ከም ዝተሓተቱን ኩሎም ሰብ ዋና ሹቛት ድማ ናይ ገንዘብ መተኣኻኸብን መመዝገብን ከእትው ትእዛዝ ብምሃቦም ምኽንያት ተቓውሞኦም ብስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ካብ ምግላፅ ዝሓለፈ ንዝተወሰነሎም መጠን ናይ ግብሪ ገንዘብ ዓቕሚ ዘይብሎም ነጋዶ ናይ ንግዲ ፍቓዶም ንምምላስ ዋላ እኳ ` እንተሓተቱ፣በቶም ኣካላት ምምሕዳር ግን ግቡእ ዝኾነ ምላሽ ከም ዘይሃቡዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።



No comments:

Post a Comment