Wednesday, September 10, 2014

ብምኽንያት ብዓል ሓዱሽ ዓመት 2007 ዓ/ምን በዓል ቅዱስ ዮውሃንስን ካብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ/ ዴምህት / ዝተዋህበ ውድባዊ መግለፂ!



   ኣብ ውሽጥን ደገን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ንጅግና ስራዊትና፤ ንኣባልትናን ደግፍቲ ቃልስናን እንኳዕ ንበዓል ቅዱስ ዮውሃንስን ሓዱሽ ዓመት 2007ን ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሐና።
   ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ክሳብ ዘለናዮ እዋን ዓመት መፀ ዝኣትዎም መብፅዓታትን ናይ ዴሞክራሲ ፅውፅዋይን ኣብ ተግባር ከሽርፎ ኣይካአለን ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ፈለማ እዋን ስልጣን ምስተቖፃፀረ ንይምሰል ዝዛረበሎም ዝነበረ መደናገርቲ ቃላት’ውን ከይተረፈ ጠሊሙ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ በደላት እናፈፀመ ፀኒሑን ኣሎን።
    ሰበ ስልጣን ሃገርና ከም መርኣያ ፀረ ህዝቢ ተግባራቶም ሒዞሞ ዘለው ስልጣን ተጠቒሞም። ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትና ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎም ግፍዕታት እናፈፀሙን ብሰላማዊ መንገዲ ምቅላስ ይከኣል’ዩ ኢሎም ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ተወዲቦም ንዝቃለሱ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንባዕሎም ናይ ሰላም ሃዋርያ ገይሮም ብምውሳድ ነቲ ስርዓት ስግኣት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ንዝበልዎም ተቓለስቲ ወገናት፤ ሃገር ከዕንው ዝተልዓሉ፤ ናይ ሃገር ልምዓት ዘይደልዩ፤ ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ መንግስቲ ክግልብጡ ዝህቅኑ ኣሸበርትን ካልእን እናበሉ ዝተፈላለዩ ፀረ ህዝቢ ኣዋጃት እናርቀቑ ብምፅዳቕ ኣብ ልዕሊኦም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ጠቐነታት ብምልጣፍ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ይዳጉንዎምን ይስውርዎምን ኣለው። 
እዚ ስርዓት’ዚ ንሰላም ከም መሸቀጢ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዘብፅሖ ዘሎ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ጨፍጫፍ ኣብ ጉዳያት ሃይማኖት‘ዉን እንተኾነ ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ መዳርግቲ ዘይብሉ ፀረ ህዝቢ ተግባር ምዃኑን መሰለይ ኣብ ልዕሊ ዝበለ  ሙስሊም ማሕበረሰብ ኢዱ ብምእታው ሓንሳብ ናይ ደገ ኢድ ምትእትታው ኣለዎ፤ ካልእ ግዜ ድማ ናይ ሙስሊም መንግስቲ ክምስርቱ ድሌት ዘለዎም ኣኽረርቲ ወዘተ…እዮም። ብዝብል መሰረት ዘይብሉ ፀለመ፤ ንንፁሃት ወገናትና እናሳቐዮም ከም ዝርከብን ብስም ልምዓት ሃገር ኣሳቢቡ። ህዝቢ ኣብዘይ ኣመነሎም ዝካየዱ ናይ መሬት ሽግሽግን ካብ ሓደ ወሲድካ ነቲ ካልእ ምሃብ ኢደ-ወነናዊ ስጉምትን ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ዘርአ ዘሎ ዝኸፍአ መግለፂ ምምሕዳራዊ ብልሽውና እቲ ስርዓት እዩ።
  ስርዓት ወያነ-ኢህወደግ ኣብ ሃገርና ክህልው ዝግባእ መንግስቲ። ሓፋሽ ህዝቢ ብዘካይዶ ናፃን ዴሞክራሲያውን ናይ መረፃ መስርሕ ክካየድ ኣለዎ እናበለ ዝዛረብ እኳ እንተኾነ እቲ ህሉውን ኣብ ባይታ ዝርአ ሓቂ ግን ካብዚ ክውንነት እዚ ኣዝዩ ዝረሓቐን ዘይቃዶን ምዃኑ ኩሉ ዜጋ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።
ኣብ ሃገርና ዝተኻየዱ ኣርባዕተ ሃገራዊ መረፃታት ብኸመይ መልክዕ ከም ዝሓለፉን እንታይ ዓይነት ኣፈፃፅማ ከም ዝነበሮምን መላእ ህዝብና  ከም ዝፈልጦን ሕዚ ድማ ነቲ ኣብ’ዚ ዓመተ 2007 ክካየድ ዝድለ ዘሎ መረፃ ተቓወምቲ ውድባት ተወዳደርቲ ኮይኖም ንኸይቐርቡ ከዐንቁፉኒ ይኽእሉ እዮም ንዝብሎም መራሕቲ ተቓወምትን ኣባላቶምን ብዘይ ሓደ ገበን ካብ ብሕዚኡ ጀሚሩ ኣብ ምእሳርን ምጭዋይን ተዋፊሩ ይርከብ፣ እዚ ተግባር እዚ ድማ ንይምሰል ተባሂሉ ይካየድ ንዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ ከም ዘይካኣል ዘግህድን ብአንፃሩ ድማ ነቲ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ናይ መወዳእታ መማረፂ ዝኾነ ብረታዊ ቃልሲ ብዝተጠናኸረ መንገዲ ንኽደፍአሉ ዝገብርን’ዩ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ!
መራሕቲ እቲ ስርዓት ኮነ ኢሎም ህዝቢ ንምድንጋርን ኣጉል ተስፋታት ንኽስነቕን  ብዘይካ ስርዓት ኢህወደግ ካልእ ዝመፅእ መንግስቲ ልምዓት ከረጋግፅ ከም ዘይኽእል፤ መረፃ ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን ከም መንግስቲ ከሳልጥዎ ግዴተኦም ንዝኾነ ትሕተ ቅርፅታት ኣብ መራኸብቲ ብዙሃን እናቕረቡ ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ምጥቃም፤ ኣብ ቀፃላይ መረፃታት ስግኣት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ንዝተባሃሉ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ምድኻም፤ ምፍርራሕን ምእሳርን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ በቲ ስርዓት ዝትግበሩ  ዘለው ፀረ ህዝቢ ተግባራት‘ዮም።
ሕዚ‘ዉን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ትነብር ህዝብና ብዘይ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ኣፈላላይ ብድራማታት ወያነ-ኢህወዴግ ከይተዳናገርካ ቃልስኻ ብምጥንኻር ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ’ዚ ዓፋኒ ስርዓት ሓራ ክትወፅእን ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ኮርዖም ክነብሩን ተረባሕቲ ሃፍቲ ሃገሮም ክኾኑን እንተዳኣ ኮይኖም እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ምስ ዝእለ ጥራሕ እዩ’ሞ። ሎሚ’ውን ከም ቀደምካ ቀላፅምካ ኣሕቢርካ ክትላዓል ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ይፅውዕ።
ንተቓውምቲ  ውድባት ሃገርና!
ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ለውጢ ትደሊ ኣላ፣ እዚ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ንምምፃእ ድማ ኩላትና ሃገራዊ ዝኾነ ኣታሓሳስባ ወኒንና መሰረታዊ ለውጢ ክመፀሉ ዝኽእል መንገዲ ምስ እንኽተል ጥራሕ ምዃኑ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ይኣምን።
 ስለዝኾነ ድማ ሓድነትና ኣጣናኺርና፤ ኩሉ ኣታሓሳስባናን ዓቕምናን ነዚ ዝካይድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ብምውፋይ ነቲ ዘይተርፍ ዓወት ክነቃልጥፎ ዴምህት ፃዊዒቱ እናቕረበ ሎሚ’ውን ከም ቀደሙ  ምስ ኩሎም ብሓድነት ኢትዮጵያ ዝኣምኑን ዝሰርሑን ውድባት ይኹኑ ውልቀ-ሰባት ሓቢሩ ንምስራሕ ቁርብ ምዃኑ ይገልፅ።
ዝኸበርካ ጅግና ሰራዊትና!
ንኽብሪ ሃገርን ናፅነትን ኢልካ እትኸፍሎ ዘለኻ መስዋእትነትን ህዝብኻ ሰላምን ምዕባለን ንኽረክብ እተካይዶ ዘለኻ መሪር ቃልሲ ኩሉ ሳዕ ክበራታዕ ዝግበኦ ዘኹርዕ ታሪኽ’ዩ። እዚ ዝተቐደሰ ተግባርን ሰናይ ኣተሓሳስባን ክትሰንቕ ብምኽኣልካ ድማ ዝለዓለ ክብሪ ይግበአካ፣ ውድብና ዴምህት ኣብዚ በፂሓቶ ዘላ ናይ ዕቤት ብራኸ ክትበፅሕ ዝኻኣለት ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ሳላ ብቑዑን ህዝባውን ዕላማ ተሓንጊጥካ እናኸፈልካዮ ዝመፃእኻን ዘለኻን መስዋእቲ እዩ’ሞ ሕዚ‘ውን ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ መንገዲ ብዝሓየለ መዳይ ኣጣናኺርካ ናብ’ቲ ዘይተርፍ ዓወት ክትምርሽ ይግባእ እንዳበልና ሕዚ’ውን ሓዱሽ ዓመት 2007 ዓ/ም ዓመተ ለውጥን ሰላምን ክኾነልና ንምነ።
  ዴሞክራሲያዊ  ምንቅስቓስ ህዝ  ትግራይ / ዴ.ም.ህ.ት/
 ጳጉሜን /2006 ዓ/ም
ዓወት ንውፅዓት!