Sunday, September 14, 2014

ኣብ ከባብታት ዓብደ ራፊዕ ፀጥታ ንምኽባር ብዝብል ምኽንያት ተዋፊሮም ዝርከቡ ፌዴራል ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ሃፋትም ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ገንዘብ ኣዋፂእኹም ሃቡና ብምባል የከላብትዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ መተማ ኣብ ከባብታት ዓብደ ራፊዕ ተዋፍሮም ዘለዉ ፌዴራል ፖሊስ ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ዝተዋፈርሉ ስራሕ ሓላፍነት ንጎኒ ገዲፎም ዉልቃዊ ረብሓታቶም ምዕባይ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ምባል ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ከም ሓደ መእከቢ ገንዘብ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሜላ ድማ ኣብ ሰብ ሃፍቲ ዕለታዊ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣብዚ ቦታ ክትሰርሑ እንተኾይንኩም ገንዘብ ኣዋፂኹም ሃቡና እንተዘይ ኮይኑ ኣብዚ ኣይትሰርሑን ይብልዎም ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ናይ’ቲ ዝፍፀም ዘሎ እከይ ተግባር ግዳያት ካብ ዝኾኑ ዕለታዊ ሰራሕተኛታት ሓደ መኮነን ዝተባህለ ወገን ነቲ ወገሐ ፀብሐ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ ስሰዐ ዝወለዶ ተግባር ፍታሕ ንምርካብ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ኣብ ዝጠራዓሉ እቶም ኣዘዝቲ ፖሊስ ይበፅሕ ንዘሎ በደል ተረዲኦም ሓገዝ ኣብ ክንዲ ምግባር ተመሊሶም ንስኻ ክተደናግር እምበር ከምዚ ዝበለ ተግባር ዝፍፅም ፌዴራል ፖሊስ የለን ክብሉ ኣሲረሞ የሳቕይዎ ምህላዎም ኣፍሊጡ።