Sunday, September 14, 2014

ምምሕዳር ዓብዪ ዓዲ ብማሕበር ተወዲቦም ብምስርሖም ብዓይኒ ጥርጣረ ክርኦም ዝፀንሐ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ተጋደልቲ ነበር ክሰርሕሉ ዝፀንሑ ቦታ ከም ዝመንጠሎም ተፈሊጡ።



ብመሰረት ካብ ምንጭታትና ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ሕሉፍ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፎም እጃሞም ዘበርከቱ ግን ከዓ ጠላማት መራሕቲ ህወሓት ስልጣን ምስ ተቖናጠጡ ተባሪሮም ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝነብሩ ዘለዉ ተጋደልቲ ነበር ብማሕበር ምዉዳቦም ስግኣት ስለ ዝፈጠረሉ ብማሕበር ተወዲቦም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብሕጋዊ ተዋሂብዎም ክሰርሕሉ ዝፀንሑ ቦታ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ክለቁ ከም ዝገብሮም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ብሕጋዊ ተዋሂብዎም ክሰርሕሉ ዝፀንሑ ቦታ ኣብ ከባቢ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝርከብ ንተማሃሮ እናረኽቡ ኣንፃር ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ከየለዓዕሉ ምምሕዳር ኣብ ስርሖም ጣልቃ እናኣተወ ብተደጋጋሚ ከተዓናቕፎም ኣብ ዝፀንሓሉ በዚ ነቲ ምምሕዳር ከሲሰሞ ሰማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ምስ ገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ምምሕዳር ግና ነቶም ተጋደልቲ ነበር ዘይኮነ ምኽንያት ደራዲሩ  ካብቲ ተዋሂብዎም ዝፀንሐ ቦታ ብዘይ ዝኾነ ተለዋጢ መሬት ክለቁ ከም ዝተገብረ ኣረዲኡ።
ነዞም ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ዝተጎሳቖሉ ዜጋታት ተወዲቦም ብምስራሕ መነባብርኦም ንከይመርሑ ኣመሓዳሪ ናይታ ወረዳ ፊልሞን ዝተበሃለ ዘለዎ ስልጣን ተበሊፁ ከተዓንቕፎምን ክብድሎምን ብምፅንሑ ተቖጢዖም ብምህላዎም  ኣብ ልዕልኡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስዱ ተባሂሉ ናብ ከተማ መቐለ ክቕይርዎ ኣብ ዝሓሰብሉ ነባሪ ህዝቢ ድማ ብዙሕ በደል ስለ ዝፈፀመ ክንፋረዶ ኢና ይብል ከም ዘሎ ተፈሊጡ።