Tuesday, September 30, 2014

ሰናይ ምምሕዳር ንምርግጋፅ ቅኑዕ መስመርን አረአእያ ይሓትት!



    ቃልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘበናት አብ ልዕሊ ጭቁናት ወገናት ተፃዒኑ ዝነበረ ናይ ድሕረትን ፀረ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ምእላይ ቃልስ’ኳ እንተኾነ ብሰንኪ እቶም ናይ ስልጣን ፃምእ እምበር ድልየት ህዝቢ ናይ ምምልእ ሓሳብ ዘይነበሮም ከሓድቲ ግን መስዋእቲ ህዝብታት ንበለል ክተርፍ ገይሮሞ’ዮም።
    ህዝብታት አብ ቅድሚ ሕጊ ብዘይ አድልዎ ክዳነዩ፤ ልዕለ ትሕትነት ጠፊኡ ዜጋታት ሰብአዊ ክብሮም ተሓልዩሎም አብ ገዛእ ሃገሮም ብዘይ አፈላላይ ተጠቀምቲ ሃፍቶም ክኾኑ፤ሓሳቦም ናይ ምግላፅ ይኹን ናይ ምቅዋም መሰሎም ክሕሎ ድሌት ኩሉ ሕብረተሰብ እኳ እንተኾነ ናይ ትዕድልቲ ጉዳይ  ኮይኑ ግን ሃገርናን ህዝብናን ናይዚ ምዕቡል አካይዳን አተሓሳስባን በዓል ዋና ክኾኑ አይከአሉን።
    ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳ  ር ጉዳይ ሰላምን ምርግጋእን፤ ጉዳይ ምፍጣር ምዕቡል ሕብረተ ሰብ፤ብሓፈሻ ቀንድን መሰረትን ምዕባለ ሃገር ምዃኑ’ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ በዚ ቁንዕ አተሓሳስባን’ዚ ምኻድ ዘይርብሑ ስርዓታት ግን ወግሐ ፀብሐ ንኸምስሉ ከም ቀንዲ ዛዕባ እናልዓሉ ንምድንጋር ጥራይ ከም ዝጥቀምሉ ንተግባራት ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ተዓዚብካ ብንፁር ምርዳእ ይከአል’ዩ።
   ካድረታት መራሕቲ ወያነ ኢህወደግ ገና ናብ ስልጣን ምስ ወፁ ኣትሒዞም ብዛዕባ ሰናይ ምምሕዳርን ካልኦት አርእስትታትን እናልዓሉ አብ ፈቖዶ መድረኻትን ሚድያን ከም ቀንዲ አጀንዳ ገይሮም ብምውሳድ ይዛረብሎም’ዮም ጥራይ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ህዝቢ ዝእከብሎም መድረኻት ብምድላው በዲልና ኢና፤ ድሕሪ ሕዚ እይንደግምን፤ ንምስትኽኻሎም ክንፅዕር ኢና ወዘተ ዝብሉ ምቁራት ግና አዝዮም ዘደናግሩ ሓረጋት እናተጠቕሙ ንብዓት ሓርገፅ  ዝነብዑ ብተንኮል ዝተጠመቑ ሰብ ተሞኩሮ’ውን እዮም፣ እዚ ፀረ ህዝቢ አካይድኦም ድማ አብ ኩሎም ናይ ሃገርና ከባቢታት ብስፍሓት ዝጥቀምሉ ዘለው መሰሪ ተግባራቶም ምዃኑ ኩሉ ህዝቢ ይፈልጥ’ዩ።
   እብዚ ቀረባ እዋን አብ ትግራይ ምዕራባዊ ሃገርና አብ ከተማ ሑመራ ንጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር አመልኪቶም ንህዝቢ’ቲ ከባቢ አኪቦም አብ ዝተመያየጥሉ እዋን ተሳታፊ ነይቲ አኼባ ዝኾኑ ነበርቲ ከተማ ሑመራ ብዘይ ምንም ስግአትን ፍርሕን ነቲ ህሉው ብልሹው አካይዳ’ቲ ስርዓት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ነቶም አብታ ከተማ ዝርከቡ ሹመኛታትን ዝፍፅምዎ ዘለው ግዑዝይ አሰራርሓን ብስምዒት ክነቕፍዎ ተራእዮም’ዮም።
    አብቲ አኼባ ዝተልዓሉ ሕቶን ርኢቶን ብዙሓት እኳ እንተነበሩ ነቶም ቀንድን መሰረታውያን ጉዳያት ከነልዕል።-
-         ሰብ ቦላሶታት ገዘኦም አካርዮም ንሳቶም ግን ብሕሱር ዋጋ አብ ናይ መንግስቲ ወይ ናይ ቀበሌ ገዛ እንትነብሩ እቲ ድኻ ግን መፅለሊ ስኢኑ አብ ስቃይን ሽግርን ንኽነብር ብምግዳዱ ምኽንያት መፍትሒ ከኾነኒ ይኽእል’ዩ ኢሉ ንሰርሖ ግዝያዊ መንበሪኡውን እንተኾነ ብናይ መንግስቲ ቀጥታዊ ትእዛዝ ክፈርስ ከም ዝግበር፤
-         አብ አከፋፍላ ግብሪ ዝምልከት ምስ ነቲ ስራሕ ዝምልከቶም አካላት ትቀራረብን ትዛመድን እንተደአ ኮይንካ ውሕድ ግብሪ ከምትኸፍል አፍልጦ እንተዘይሃልዩካ ግን ልዕሊ ዓቐን ክትከፍል ከምትግደድ በዚ መሰረት ድማ ፍትሓዊ ናይ ግብሪ አከፋፍላ ከም ዘየለ፤
-         ብመንግስቲ ድጎማ ተገይርሎም ዝመፁ ከም ዘይቲ፤ሽኮር ካልኦት ነቲ ሕብረተሰብ ዘድልዩ ሃለኽቲ ነገራት ብሕቡእ ናብ ካሊእ ቦታ ተጓዓዒዙ ክሽየጥን ንህዝቢ ከከፋፍሉ ሓላፍነት ዝተወሃቦም ነጋዶ ሓቢኦም ብምሻጥ ንውልቆምን መሻርኽቶም ዝኾኑ አካላት ምምሕዳርን የውዕልዎም ምህላዎም፤
-         ግብሪ በዚሑኒ ኢሉ ንግዲ ፍቓዱ ዘረከበ ነጋዳይ ትካሉ እንከይዓፀወ ስርሑ የካይድ ምህላው እናተፈልጠ ሪኢካ ከም ዝይረአኻ ሸለል ምባል እዚ ድማ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ንኽስስኑ ምክንያት ኮይኑ ከም ዘሎ ዝብሉን ካልኦት ሓያሎ በቶም ሰበስልጣን እታ ከተማ ዝፍፀሙ ዘለው አነወርቲ ተግባራት ብስፍሓት ተላዒሎም’ዮም።
     እዞም ብህዝቢ ከተማ ሑመራን ኣብ ኩሉ ክፋላት ሃገርናን ዝላዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን መራሕቲ ትስርዓት ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልፀ ፀገማት ነይሮሙና እዮም፤ ከነስተኻኽሎ ድማ ኢና፤ ብምባል ከም ልሙድ ንስለ’ቲ ህዝቢ ኢሎም ዘይገብርዎ ነገር ከም ዘይብሎም ብምጥቃስ መደናገርቲ ቃላታት ክጥቀሙ ተሰሚዖም’ዮም።
     ዝከበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ- ስርዓት ወያነን መሻርኽቶምን ሕዚ’ውን እንተኮነ ምእንቲ ምቕፃል ዕድመ ስልጣኖም ብናይ ህዝቢ ደምን ረሃፅን እናተበለፁ በብዕለቱ ብዝፈጥርዎም መደናገርቲ አረእስትታት ንገዛእ ህዝቦም እናታለሉ ክቕፅሉ ባህሪኦም እዩሞ። ሰናይ ምምሕዳር ብዘይካ ቅኑዕን ትኽክለኛ መስመርን ክረጋገፅ ከም ዘይኽእል አሚንካ ብዝካየዱ ምስሉያት ናይ አኼባ አርእስትታትን ኩምራ መብፅዓታትን ከይተደናገርካ ፀረ ልማዓትካ ንዝኾኑ ልኡኻት ት’ስርዓት አብ ውሽጢ እዳራሾም ኮይንካ ንዘስማዕካዮ ተሪር ተቓውሞ ዝያዳ ንምሕያሉ ቃልስኻ ክተሐይል ይግባእ።