Sunday, September 28, 2014

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንመምህራንን ማሕበረሰብን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣገዲዱ ኣብ ኣኼባ ፀሚድዎም ከም ዝቐነየ ምንጭታትና ሓቢሮም።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዘምህሩ መምህራንን ኣብኡ ዝርከቡ ካልኦት ሰራሕታኛታትን ካብ እምነቶምን ድሌቶምን ወፃኢ ተገዲዶም ናይ’ቲ ስርዓት ፖሊስን እስትራተጅን ክመሃሩ ከም ዝቐነዩ ድሕሪ ምግላፅ ነቲ ኣኼባ ምእንታን ክከታተሉ ከዓ መዓልታዊ መቆፃፀሪ /ኣቴንዳንስ/ ደብተር ተቐሪቡ ኣብ ሰዓቱ ተረኽቡ ንዘይፈረመ ንምንታይ ዘይትመፅእ መርገፂኻ ኣፍልጥ እናበሉ ስለ ዘፈራርሕዎ ከይፈተዉ ንኣቴንዳንስ ኢሎም ክእከቡ ከም ዝቐነዩ ኣመልኪቲ።

    ካብ ሰለስቲአን ካምፓሳት ኣሪድ፤ ዓዲ-ሓቂን ዓይደርን ዝመፁ ኣብ ኣሪድ /ቀፅሪ/ ክእከቡ ዝቐነዩ ኮይኖም ነቲ ኣኼባ ዝመርሕዎ ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ፖለቲካ ሳይንስ ዝኾነ የማነ ዘረኣይን ካልኦት ካብ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝተለኣኹ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እንትኾኑ በቶም ተኣከብቲ ዝተለዓሉ እዋናዉን ኣገደስትን ሕቶታት እኳ እንተተልዓሉ ዘፅግብ መልሲ ከይተወሃቦም ስለ ዝተሓለፉ ተሳተፍቲ ክሳብ መዓዝ ኢና እናፈለጥና ከም ዘይንፈልጥ ኮይና ክነብር ብምባል የማርሩ ከም ዝነበሩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።