Sunday, September 28, 2014

ኣብ ከተማ መቐለ ኣጋጢሙ ብዘሎ ሕፅረት መብራህቲ ነበርቲ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ምምራሕ ተፀጊሞም ምህላዎም ምንጭታትና ገሊፆም።



በመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ’ታ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ የጋጥም ብዘሎ ምቑርራፅ ኤለክትሪክ ንብዙሓት  ሰብ ውልቀ ትካላት ሓዊስካ መላእ ነባሪ ህዝቢ ዕለታዊ ስራሕቱ ከሰላስል ከም ዘይከኣለ ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ ወነንቲ ትካላት ኣብያተ ሕብስቲ፤እንዳ ሓፂነ መፂን፤ እንዳ ጣዋሉ፤ሆቴላት፤ ካፌታትን ካልኦትን ብሰንኪ ቀፃሊ ምቁርራፅ መብራህቲ ግቡእ ስርሖም ከሰላስሉ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ክሳራ ምዉዳቖም ገሊፁ።

 ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ እዋን ለይቲ ናብ ሹቕን ካልእ ስራሕትን ንምፍፃም ዝቀሳቐሳ ንኣሽቱ ደቂ ኣንስትዮን  ኣዴታትን ብለያቡ ሽልማት ኣዋርቕን ዝሓዘኦ ሞባይልን ገንዘበን ይሕደጋ ኣብ ዘለዋሉ ዓገብ  ዝብል ፖሊስ ይኹን ካሊእ ኣማሓዳሪ   ከም ዘየለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ መፂአምሉ ኣብ ዝነበሩ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባህሉ ንኸዳናግሩ ብዘይምቁራፅ ዝነበር እንትኸውን ካብ ፅባሕ ምኻዶም ግን ናብቲ ልሙድ ከምዝተመለሰን ብዚ ድማ ህዝቢ ይዛረበሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ፣፣ 

  እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብታ ከተማ ከም ሽኮር፤ ዘይትን ሓርጭ ፊኖን ካልኦት ሓለኽትን ካብ ዕዳጋ ጠቕሊሎም ሰለ ዝጠፍኡ  ነበርቲ ኣብ ፀገም ምውዳቖም  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።