Tuesday, September 30, 2014

ኣብ ቅድስት-ማርያም ሆስፒታል ኣክሱም ብዘሎ ዝምቡዕ ኣሰራርሓ ተገልጋሊ ህዝቢ ይንጋላታዕን ንዘይተደለየ ወፃኢታት ይቃላዕን ምህላዉ ተፈሊጡ።




ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ዝርከብ  ቅድስት-ማርያም ሆስፒታል ላዕለዋይ/ሪፈራል ከም ዝኾነ በቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብዙሕ ይዝረበሉ እኳ እንተኾነ ኣብ ተግባር መፂኻ ግን ኣብ ዉሽጢ እቲ ትካል ዝርከቡ ንዉልቆም ዝሓስቡ ስሱዓት ዶኳትር። ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀ መድሓኒት ብዝተፈላለየ ሜላ ናብ ዉልቀ ክሊኒኮም እናወስዱ መጠኑ ብዝሓለፈ ዋጋ ናብ’ቲ ህዝቢ ተመሊሶም ይሸጥዎ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ንዝርከቡ መሳርሒ ከም ኤክስረይ ዝበሉ ዓበይቲ መሳርሕታት ክባላሸዉ  ከም ዝግበር ድሕሪ ምግላፅ። ነቲ ዝተበላሸወ ንምዕራይ ንዝመፀ ክኢላ ድማ ክሳብ 9 ሽሕ ብርን ልዕልኡን ዝበፅሕ ብላዕ ብምሃብ ከይዕረዮ ክኸይድ ብምግባር ነቲ ሓሚሙ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ከይፈተወ ኣብ ዉልቃዊ ክሊኒኮም ቀሪቡ እንትምርመር ተቖፃፃሪ ዘይብሉ ተዓፃፃፊ ገንዘብ ክፈሉ እናበሉ ይምዝምዝዎ ምህላዎም ኣገንዚቡ።          
ካብ’ዞም ከም’ዚ ዓይነት ዘይሞያዊ ስነ-ምግባር ተግባር ዝፍፅሙ ዘለዉ ሰባት ሓደ ዶ/ር ኣምሳሉ ቢተዉ ዝተበሃለ ኮይኑ ንሱ ኣብ’ቲ ሆስፒታል እሙን ካድረ ውልቀ መላኺ ህወሓት-ኢህወዴግ ስለ ዝኾነ ነቲ ዘለዎ ተኣማንነት ተበሊፁ ምስ ኣባላት ድህንነትን ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ሓጎስ ጎድፋይን ጥቡቕ ርክብ ብምፍፃም ንብዙሓት ይወዳደሩኒን ይጠማመቱኒን ዝበሎም ንፁሃት ሰራሕተኛታት ብምፅላም ካብ ስርሖም ክባረሩን ብቕፅዓት መልክዕ ክቕየሩን ዝገብር ዘሎ ኮይኑ ካብኣቶም ግዳያት ሓደ ድማ ዶ/ር ኣስማማዉ የሴፍ ኣብ ሽራሮ ተመዲቡ ዝርከብ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።