Tuesday, September 30, 2014

ኣብ ክልል ኦሮሚያ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰርሑ መምህራን ብዘይድልየቶም ካብ 4ተ መስከረም ጀሚሮም ኣብ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝቐነዩ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ምንጭታትና እቶም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣምቦ ወረዳ ስልኪ ኣምባ ዝርከቡ መምህራን በቲ ገዛኢ መደብ ተገዲዶም ናይ ኢህወደግ እስትራተጂን ሕሉፍ ታሪኽ ቃልሲ እቲ ዉድብን ክምሃሩ ከም ዝተገግብረ ድሕሪ ምግላፅ ኣብዚ ኣኼባ ዘይተረኸበ መምህር ድማ ኣብዚ 2007 ዓ/ም ኣብ ናይ መምህርና ስራሕቲ  ከም ዘይዋፈር  ከም ዝተነግሮም ተፈሊጡ።

በዚ መሰረት ድማ እቲ ኣኼባ ብናይ’ቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ዝኾነ ኣይተ ጊዱማ ታደሰ ዝተብሃለ ዝተመርሐ ኮይኑ ንሱ ዉድብና ኦህዴድ-ኢህወዴግ ልምዓታውን ዴሞክራስያውን ስለ ዝኾነ ኣብ ዝመፅእ መረፃ ኩላትና ዉድብና ክምረፅ እጃምና ክነበርክት ኣለና እንተዘይ ኮይኑ ግን እዛ ሃገር ናብ ጥፍኣት እያ ክተምርሕ እናበለ ክጉስጎሱ ዝቐነዩ እንትኾኑ እቶም መምሃራን ግን ዘይሓሰቦ ሕቶታት ብምልዓል ስለ ዘጨነቅዎ ናይ ሻሂ ፕሮግራም ኢሉ ካብቲ ኣኼባ ኣመኻንዩ ከም ዝወፀ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ካብ’ቶም ዝተላዕሉ ሕቶታት ንገሊኦም ንምጥቃስ ኣብ ሃገርና ሰባት ሕጋዊ ብዘይ ኮነ መንገዲ ይእሰሩ ኣለዉ፤ መንግስቲ ንምንታይ እዩ ዓመት ዓመት ሓዱሽ ፍልስፍና እናምፀአ ርእስና ዘሕምመና፤ ድኻ ፀሙ እናሓደረ፤ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ገዛውቲ ትሰርሑ ዘለኹም፤ ግድብ ኣባይ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ክውዳእ እዩ ትብሉ ከም ዘይነበርኩም ሕዚ መልሓስኩም ዓፅፍኩም ክሳብ 7 ዓመት ከም ዝፀንሕ ትዛረቡ ዘለኹም ንምንታይ ዝብሉን ካልኦትን  ኮይኖም እቲ ኣኼባ ድማ 15ተ መስከረም ከም ዝተወድአ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።