Thursday, October 2, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ካድራ ዝርከቡ ፖሊሳት ንፁሃት ዜጋታት ይቐትሉ ምህላዎም ካብቲ ቦታ ምንጭታትና ኣብ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ዝርከቡ ፖሊስ ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ብ17 መስከረም 2007 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ በዓል መስቀል ከኽብር ዝወፀ ነባራይ እታ ከተማ ብዝተኮስዎ ጠያይቲ ንግዝይኡ ዝተፈልጡ 3 ንፁሃት ዜጋታት ብግፍዒ ከም ዝቐተሉ  ተፈሊጡ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እዞም ፖላዊስ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዝተልዓለ ባእሲ ብሜላ ከህድእዎ ኣብ ክንዲ ምፅዓር በዓል መስቀል ከኽብር ዝተኣከበ ቆልዓ ሰበይትን ሽማግለታት ኣመንትን ዝርከቡሉ ጠያይቲ  ብምትኮስ ዜጋታት ምቕታል ኣግባብ ኣይኮነን ክብሉ ነበርቲ መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።

እቶም ፖላዊስ ብዝፈጠርዎ ፀገም ዓመፅን ዕግርግርን ብዝሓየለ መልክዑ ስለ ዝቐፀለ ክቖፃፀርዎ ድማ ዓቕሚ ስለ ዝሓፀሮምን ፍሉያት ኣሃዱ ፖሊስ ካብ ከተማ ሑመራ ንሓገዝ ብፓትሮል ተፃዒኖም ዝመፁ ፌዴራል ፖሊስን መደበኛ ፖሊስን ነቲ ኩነታት ከህድእዎ ከም ዝፈተኑ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ።