Thursday, October 2, 2014

ኣማሓደርቲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብብላዕን ብግበረለይ ክገብረልካን ስለዝጠልቅዩ ካብ ስልጣኖም ይተኣለዩ ብምባል ነባራይ እቲ ዞባ ተቓውሙኡ ይገልፅ ምህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



  ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝርከቡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ምሕደራ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ብግዕዝይና ስነ ምግባር ዝተባለሽዉን ሕጊ ንጎኒ ገዲፎም ብዓሌትን ብወገንን ይሰርሑ ምህላዎምን ድሕሪ ምግላፅ ከም ውፅኢቱ ድማ ህዝቢ እዞም መንደዓት ህዝብን ሃገርን  ዝኾኑ ኣማሓደርቲ ካብ ስልጣኖም ይወረድሉና ብምባል መድረኽ ኣብ ዝረኸበሉ ኣጋጣሚ  መረረቱ  ይገልፅ ምህላዉ ተፈሊጡ።

    ካብ’ቶም  ሓላፍነቶም ተጠቒሞም ኣድልዎ ዝፍፅሙ ኣማሓደርቲ  ተወለድቲ ጉለመኸዳን ብዘትን  ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ንሳቶም ዕቤት ስራሕ ሽሞትን ኣብ ምሃብ ይኹን ስራሕ ኣብ ምቑፃር ካልኦት ጥቕማ ጥቕምን ንደቂ ዓዶምን ንቤተሰቦምን ደገፍቶምን የርብሑሉ ምህላዎም ዝተረደአ ህዝቢ  እዚኦም ኣየማሓዱርናን ይወረዱልና  ብምባል ተቓምኡ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ  ተገሊፁ።