Tuesday, December 23, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ወነንቲ ሞቶር ሳይክልን ባጃጅን ብ10ተ ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ብኣማሓደርቲ ካብ’ታ ከተማ ዉፁ ስለ ዝተብሃሉ ሓያል ተቃዉሞ ምክያዶም ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ብመሰረት ካብ’ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ኣሽከርከርቲ ባጃጅን ሞተር ሳይክልን ዝኾኑ ወገናት ኣማሓደርቲ እታ ከተማ  ኣብዚ ከተማ ንትራፊክ ቁፅፅር ኣሸገርቲ ኮይንኩም ስለ ዘለኹም ካብዚ ከተማ ልቀቁልና ድሕሪ ምባሎም ወነንቲ እተን ተሽከርከርቲ ብወገኖም ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊብና ንመንግስቲ ግብሪ እናኸፈልና እናሃለና ስለምንታይ ከይንሰርሕ ንእገድ ብምባል ብተሽከርቲ ዝተዓጀበ ሓያል ተቃዉሞ ምክያዶም  ተፈሊጡ።
   እቶም ኣምሓደርቲ ባዕልኹም ትፈልጡ  ዝኣዘዝናኩም ጥራሕ ግበሩ  ክብሉ ዘይሓላፍነታዊ መልሲ ምስ ሃብዎም በዚ ዝተቖጥዑ ወነንቲ እዘን ተሽከርከርቲ ድማ ናይ ስራሕ መሰልና ይከበር ብምባል ኣብ ሓፂር ግዜ ዝተኣካኸቡ ልዕሊ 150 ሰብ ባጃጅን ሞተር ሳይክልን ንንዉሕ ዝበለ ስዓት ተቓዉሞ ኣብ ዘካየድሉ እታ ከተማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብሓያል ድምፂ ናይ ተሽከርከርቲ ጥሩባ ከም ዘናወፅዋ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማ ዓብደ ራፊዕ  ተሻገር ታዬ ዝተብሃለ ምልሻ ምስ ወዱ፣ ኣብ ገዝኡ ደቂሱ እናሃለወ ብዘይተፈለጡ ሰባት ብ9 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ለይቲ ከም ዝቐተልዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ክሳብ ሕጅ ድማ መን ከምዝፈፀሞ ከም ዘይተፈለጠ ተገሊፁ።