Tuesday, December 23, 2014

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስድራ ስውኣት ብስእነት ስራሕ ስለ ዝተሳቐዩ እቲ ጠላም ስርዓት ቆላሕታ ንኽገብረሎም ጥርዓኖም ከም ዘቕረቡ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ደቂ ስውኣት ዝኾኑ ዜጋታት ትምህርቶም ወዲኦም ዕድል ስራሕ ስለ ዝሰኣኑ ፀጊሙና ዝረድአና ስኢንና፥ ስለ’ዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ቆላሕታ ይግበረልና፤ ኣብ’ተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ትእምት ሰሪሕና ክንበልዕ ዕድል ይወሃበና ክብሉ ናብ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ጥርዓን የቕርቡ ከም ዘለው ተገሊፁ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም ስድራ ስዉኣት እዘን ብናይ ህዝቢ ትግራይ ገንዘብ ዝቖማ ትካላት ትእምት ሰራሕተኛታት ክቖፅራ እንከለዋ ብዘለዎም ሞያን ትምህርትን ዘይኮናስ ብቤተሰባውን ብጉቦን የእትወኦም ስለ ዘለዋ ንሕና ንጉቦ ዝኸዉን ስለ ዘይብልና ትኹረት ዘይግበረልና? ደም ኣቦታትና ዝፈሰሰለን ትካላት ኣይኮናን ድየን? ብምባል ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን ሰማዒ ከም ዘይረኸቡ ድሕሪ ምግላፅ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ድማ  እዘን ትካላት ንሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ጥራሕ ዘገልግላ እየን ብምባል ዓብዪ ቅሬታ ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።