Sunday, December 21, 2014

ካብ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ዓዲ-ግራትን ከባቢኣን ብካድረታት ህወሓት ዝቐረበ ሓመድን ማይን ዕቀባ ዝብል ፃውዒት ተቓዊሞም ዝተረፉ ሰባት፤ ልዕሊ 70 ብር ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ ይቕፅዑ ምህላዎም ተፈሊጡ።




    ኣብ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዓዲ ግራትን ከባቢኣን ዝነብር  ድኻ ሕብረተሰብ ጥራሕ ተገዲዱ ዓመት መፀ ዉፃእ እናተብሃለ ዕቀባ ማይን ሓመድን ብምስርሑ መነባብርኡ ኣብ ምምራሕ ኣዝዩ ተሸጊሩ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ዝተማረረ ህዝቢ ፀጊሙኒ ኢሉ ኣብ ዝተርፈሉ ብኣመሓደርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ቅፅዓት እናበሉ ኣብታ ዘይብሉ ልዕሊ 70 ብር የኽፍልዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
   እቲ ካብ ድኻ ወገን ብመልክዕ ቅፅዓት ዝተኣከበ ገንዘብ ህዝቢ፤ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ኣብ ክንዲ ዝውዕል በቶም ብግዕዝይና ዝተጨማለቑ ኣምሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ይብላዕ ምህላዉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።