Sunday, December 21, 2014

ጀነራል ኣበባዉ ታደስ ካብ ምክልኻል ስራዊት እንትእለ ኣብቲ እዋን ካልኦት ክባረሩ ብመደብ ተታሒዞም ዝነበሩ ላዕለዎት መኮንናት ንዕድመ ስልጣን እቲ ስርዓት ክበሃል ዝተሓለፉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ካብ ዉሽጢ ስታፍ ምክልኻል ሰራዊት ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብ ላዕለዋይ ፀፍሒ ምክልኻል ሰራዊት መራሒ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ሌተናል ጀነራል ኣበባዉ ታደሰ ፖለቲካዊ ኣራእያኻ  ምሳና የለን ብዝብሉ ምኽንያታት ናይ’ቲ ገዛኢ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም ዝተበረረ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ንሱ ክባረር እንከሎ ካልኦት ምስኡ ክባረሩ ኣለዎም ተባሂሎም ብዉሽጢ ዝተወደኣሎም ብዙሓት ላዕለዎት መኮንናት እኳ እንተነበሩ፤ ብድሕሪኡ ክለዓል ንዝኽእል ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታዉ ንግዚኡ ክፀንሑ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ።
    ካብቶም ክባረሩ ተባሂሎም ዝነበሩ ላዕለዎት መኮንናት መብዛሕትኦም ኮሌነላት ከም ዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ መባረሪኦም ከኣ ናይ ኣበባዉ ደገፍትን ሰዓብትን ስለ ዝኾኑ ከስርሑና ስለ ዘይኽእሉ ኣቐዲሞም ክእለዩ ኣለዎም ብዝብል እኳ እንተነበረ፤ ይኹን’ምበር ኣብ ዝመፅእ መረፃ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣትዮም ኣንፃር ኢህወዴግ ክዉድቡን ከለዓዕሉን ስለ ዝኽእሉ ግዚያዊ ገምጋም ብምግባር ብመጠንቀቕታ ክሕለፉ ከም ዝተገብረ ተፈሊጡ።