Friday, January 30, 2015

ነበርቲ ከተማ ሰለኽለኻ ናይ መምረፂ ካርድ ንኽወስዱ ብካድረታት እቲ ስርዓት ዝቐረበሎም መፀዋዕታ ኣይንወስድን፤ ኣይንመርፅን ብምባል ናይ እምቢታ ምላሽ ከም ዝሃቡ ተፈሊጡ።




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሰለኽለኻ  ኣብ ዝመፅእ  ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ንዝካየድ ምስሉይ መረፃ ናይ መምረፂ ካርድ  ንኽወስዱ  ብካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ዝቐረበሎም መፀዋዕታ ኣይንወስድን፤ ንመርፆ የብልናን ብምባል ከም ዝኣበዩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነቲ ካርድ ዘይመውሰዲኦም ምኽንያት እንትገልፁ ድማ ገዛኢ ስርዓት ንዓና ከም ደቂ ዜጋ ኣይጥምተናን፤ መንበሪ ገዛውትና ብዶዘር ኣፍሪሱ ተለዋጢ መሬትን ካሕሳን ከይሃበ ኣብ ማእኸል በረኻ ዝደርበየና ፍትሒ ዘሕቐቐ ስርዓት  ኣይንመርፅን ምባሎም  ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ምምሕዳር ከተማ ሰለኽለኻ ናይ ልዕሊ 65 ዝኣኽሉ ዜጋታትና ሕጋዊ ገዝኦም ብ9 ጥሪ  2007 ዓ/ም ብኣልማሚት ብዶዘራት ከም ዘፍረስዎ  ድሕሪ ምግላፅ ብዱላት ነበርቲ ፍታሕ ንምርካብ ክሳብ ክልል ብምኻድ ጥርዓን ኣብ ዘቕርብሉ እዋን ቆላሕታ ስኢኖም ኣብ ማእኸል በረኻ ብምድርባዮም ዝቐሓሩ ነበርቲ ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት ንመርፀሉ ኣጋጣሚ የብልናን ብምባል ነቲ ተመዝገቡን መምረፂ ካርድ ሓዙን ዝብል ጎስጓስ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ።
   ካብቶም ነቲ ምስሉይ መረፃ ህወሓት-ኢህወዴግ ብግልፂ ኣብ መድረኽ ዝተቓወሙ ገለ ኣስማቶም ንምጥቃስ፦ ወ/ሮ ግደይ ኣበባ፤ ኣይተ ፀጋይ ገብረመስቀልን ኣይተ ዘነበ ፍትሃነገስን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።