Friday, January 30, 2015

ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ንዝርከቡ ምልሻ ዝወሃብ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ወታደራዊ ስልጠና ህይወት ንፁሃት ሰባትን ጥሪትን ይቐጥፍ ምህላዉ ተገሊፁ።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምብራቕ፤ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ፤ ጣቢያ ሓየሎም፤ ፍሉይ ቦታ ቀፀሎ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ብሰበ-ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ነቲ ነባሪ ሕብረተሰብ ከየፍለጡ ካብ 6 ጥሪ 2007 ዓ/ም ዝጀምርዎ ንምልሻ ወተሃደራዊ ስልጠና ምሃብ ክሳብ ሕዚ ኣይተ ሕሸ ገብሩ ዝተብሃለ ሓረስታይ ዝርከቦም ሰባትን ብርክት ዝበላ ጥሪትን ብጥይት ከም ዝተቐተሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እዚ ከም’ዚ ዓይነት ዘይሓላፍነታዊ ምስልጣን ምልሻ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ይካየድ ብምህላዉ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ሰፍ ዘይብል ጉድኣት እናውረደ ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።