Friday, January 30, 2015

ንምስሉ መረፃ ህወሓት-ኢህወዴግ ግምት ዘይሃቦ ህዝቢ ከተማ መቐለ መምረፂ ካርዲ ንክወስድ ይግደድ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።



   ህዝቢ ከተማ መቐለ መረፃ ካርዲ ንክወሰድ ብኣመሓደርትን ካድረታትን ገዛኢ ዉድብ ፁዑቕ ጎስጓሳት እንተተገበረሉ’ኳ ካብ መረፃ ህወሓት-ኢህወዴግ ለዉጢ ከም ዘይርከብ ኣብ ሕሉፋት መረፃ ስለ ዘረጋገፀ ንጎስጓሶም ግምት ከይሃበ ኣብ ንጥፈታት ማሕበራዊ ናብርኡ ይዉዕል ከም ዘሎ ምንጭታትና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
   ብተባዕ ስጉምቲ እቲ ህዝቢ ዝቃሓሩ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ድማ እዚ ስለ ዘስገኦም ብሓለፍቲ ጉጅለን ብሎክን ኣቢሎም ናይ ሕድ ሕድ ነባሪ በሪ ብምኹሕዃሕ ነቲ ህዝቢ ካርዲ ንክወስድ የፈራርሕዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
   ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝሓለፉ መረፃታት ፍልይ በዝበለ በብ ከባቢኡ ነቑጣታት መረፃ ዘርጊሖም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዙይ ድማ ነቲ ህዝቢ መን ወሲዱ መን ኣይወሰደን ብደቂቕ ንምቑፅፃር ዝጥቀምሉ ሜላ ከም ዝኾነ ወሲኹ ኣረዲኡ።