Friday, January 30, 2015

ነባሪ ህዝቢ ከተማ ዱፘሜ ናይ መረፃ ካርዲ ኣይንወስድን ስለ ዝበለ ብኣማሓደርቲ ናይ’ቲ ወረዳ ኣብ ኣኼባ ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ከም ዝገለፅዎ ኣብ ክልል ደቡብ፤ ዞባ ከምባታ፤ ከተማ ዱፘሜ ዝነብር ህዝቢ መፃኢ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ንዝካየድ ምስሉይ ሃገራዊን ክልላዊ መረፃ ካርዲ መምረፂ ንክወስድ ብካድረታት እቲ ስርዓት ዝቐረበሉ ፃውዒት ከም ዝነፀጎ ድሕሪ ምግላፅ ብእምቢታ ህዝቢ ዝደንገፁ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ወረዳ ድማ ኣብ ኣስገዳድ ኣኼባ ፀሚደሞ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ዱፘሜ ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ እምነት ስለ ዘይብሉ ኣብ መማልኢ መረፃ ናይ 2002 ዓ/ም ኣይንመርፅን ኢሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ።