Sunday, February 1, 2015

ወተሃደራት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ፍታሕ ብዝሰኣነ ማሕበራዊ ፀገማት ስቓይ ስለ ዝበዝሖም ኣሃድኦም ራሕሪሖም ይጠፍኡ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ካብ ምክልኻል ሰራዊት ልሒኹ ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ካብ ኩለን ክፍለ ስራዊታት ዝተረኸብሉ ናይ 6 ወርሒ ገምጋማዊ ኣኼባ መኮንናት ካብ 14 ጥሪ 2007 ዓ.ም ከም ዝተጀመረ ድሕሪ ምግላፅ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ገምጋም ድማ “ስለ ምንታይ ወተሃደራት ብበዝሒ ይጠፍኡ ኣለው?” ዝብል ኮይኑ ወተሃደራት ዝጠፍኡ ዘለዉ ንዓመታት እናተልዓለ ንዝፀንሐ ማሕበራዊ ፀገማት ፍታሕ ክግበረሉ ብዘይምኽኣሉ ብኡ ልክዕ ኣብቲ ስርዓት እምነት ስኢኖም ብዝወፈርዎ ይተርፉ ኣለዉ ክብሉ እቶም ታሕተዎት መኮንናት ከም ዝተዛረቡ ተገሊፁ።
  ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቶም ላዕለዎት መኮንናት ነቲ ዝቐረበ ፀገም ንዘይምቕባል ገልቢጦም ወተሃደራትና ዝጠፍኡ ዘለዉ ብስንፍና ኣተሓሕዛ ታሕተዎት ኣመራርሓ እዩ ዋላ’ኳ እንተበልዎም። እቶም ካብ ሻምበል ንታሕቲ ዝኾኑ ኣመራርሓ ግና ብፍፁም ንስኻትኩም ንፀገም ሰራዊት ክትፈትሑ እንተይ ዘይክኢልኩም ንሕና ኣሲርና ንሕዞ ሰራዊት የለን ክብሉ ኣትሪሮም ከም ዘቕርብሎምን እቲ ኣኼባ ድማ ገና ይቕፅል ምህላዉን ተፈሊጡ።