Sunday, February 1, 2015

ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ መናእሰይ ገና ከይተተሓሓዙ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ክኸፍሉ ብምግዳዶም ትካላቶም ዓፅዮም ይጠፍኡ ምህላዎም ተገሊፁ።


    ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝርከቡ ማናእሰይ ብማሕበርን ብዉልቅን ደቀቕትን ኣናእሸትን ስራሕቲ ምንቅስቓስ ኣብ ዝጀመሩሉ ገና ዝተለቅሕዎ ገንዘብ እንተይመለሱ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ክፈሉ ይብሃሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ከም ኣብያተ ምግብን መስተን ዝኸፈቱ እቲ ኣወሳስና ግብሪ ዝተጋነነ ብምዃኑ ንሕና መኽፈሊ የብልናን ብምባል ትካላቶም ዓፅዮም ይኸዱ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ እቶም ስራሕ ንግዲ ዝጀመሩ መናእሰይ ክፈልዎ ዝበሃሉ ዘለዉ ግብሪ ምስ ዘለዎም ትሕዝቶ ከም ዘይመጣጠንን ኣረኣእያ ክግበረሎምን ጠሪዖም ሰማዒ ኣካል ኣብ ዝሰኣንሉ “ንዝሰርሕ ሰብ ዘተባብዕ መንግስቲ ዘሎ መሲሉና ኣብ ዝጀምርናዮ ስራሕ ዝረኸብናዮ ኣታዊ ናብራና ኣብ ክንዲ ክነመሓይሸሉ ጠቕሊልኩም ኣረክብዎ ንብሃል እንተኾይና ንግዲ ፍቓድኩም ተረከቡና እናበሉ ናብ ስደት ኣብ ምጥፋእ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።