Friday, February 20, 2015

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ከማሻ ዝመፅእ ዘሎ መረፃ ንምሕላዉ ብዝብል ዝተዋፈሩ ፉሉያት ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ነባሪ ህዝቢ ከቢድ ግፍዒ ይፍፅሙ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



 ብገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝተዋፈሩ ተልኣኣኽቲ ናይቲ ክልል ፍሉያት ሓይሊ ብዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዒ ኣብ ዞባ ከማሻ ወረዳ ሎጂ-ጋንፎ ዝርከቡ ነበርቲ ተንቀሳቒሶም ዕለታዊ ስራሕቶም ከሳልጡ ከም ዘይክእሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ወረዳ ወነንቲ መፍረይ ዘርኢ ትካል ዝኾኑ ኢንቨስተራትን ነጋዶን ብ3 ለካቲት 2007 ዓ/ም በቶም ፍሉይ ሓይሊ ተኣሲሮም ከም ዝሓደሩን ብድሕሪኡ ድማ ጉቦ ክኸፍሉ ብምግባር ከም ዝፈትሕዎም ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብ2 ለካቲት 2007 ዓ/ም 3 ኣባላት ተቓወምቲ ዉድባት ዝኾኑ መናእሰይ ኣሸበርቲ ብዝብል ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሶሳ ብምዉሳድ ኣሲሮም እናሳቐይዎም ከም ዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።