Friday, February 20, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ዘለው ወኪላት ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዝመፅእ መረፃ ንኸይወዳደሩ ኣፍልጦ ከም ዝተኸልከሉ ተገሊፁ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቋሪት፤ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ማቻከል፤ ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳታት ባንጃ፤ ጃዊን ኣንከሻን ዝርከቡ ወኪላት ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዝመፅእ መረፃ ንኽወዳደሩ ኣፍልጦ ክዋሃቦም ዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ከም ዘይተዋህቦም ድሕሪ ምግላፅ ካብ’ቶም ሕቶ ዘቕረቡ ኣብ ወረዳ ኣንከሻ ዝርከብ ከባብታት ኣየሁን እሁዲትን  ኣይተ ሙሉጌታ ዝተብሃለ ወኪል ሰማያዊ ፓርቲ ነቲ ዝበፅሖ በደል ናብ ዝምልከቶ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ብምኻድ ብተደጋጋሚ ዘቕረቦ ጥርዓን ኣውንታዊ ምላሽ ክረክብ ከም ዘይከኣለ ተፈሊጡ።
      ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ጃዊ ኣይተ ቢያድግልኝ ዝተብሃለ ኣባል ተቓወሚ ውድብ መኢአድ ናብ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣይተ ኣየለን ናብ ትካል ኮሚሽን ሓላፊ ዝኾነ ኣይተ ይርጋን ብተደጋጋሚ ብምኻድ ንኽወዳደር ኣፍልጦ ንኽወሃቦ ዘቕረቦ ጥርዓን ፀማም እዝኒ ከም ዝሃብዎ  ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመለኪቱ።
       እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ዝሰርሑ ሰብ ሞያ  እንተኾኑ’ዉን ምስ ተቓወምቲ ውድባት ትራኸቡ ኢኹም እናተብሃሉ ኣብቲ ናይ ሓደ ንሓሙሽተ ዝብል ናይ መገምገሚ ቅጥዒ መጠንቀቕታ ይወሃቦም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።