Wednesday, February 11, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝነብሩ ካብ ውትህድርና ተሳናቢቶም ዝፀንሑ ተጋሩ መሪሕነት ህወሓት ንዘካየዱሎም ኣኼባ ከም ተቓወምዎ ተፈሊጡ።



    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ብሄራዊ ትያትር ብ23 ጥሪ 2007 ዓ/ም ዝተኻየደ ብፀጋይ በርሀን ኢሳያስን ዝተመርሐ ኣኼባ ካብታ ከተማን ከባቢኣን ጥራሕ ልዕሊ 10 ሽሕ ተጋደልቲ ነበር ተጋሩ ክርከቡ እዮም ዝብል ግምት እኳ እንተነበሮም እንተኾነ ግን ኣስታት 2 ሽሕ ሰባት ጥራሕ ከም ዝተሳተፉ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ድማ ታሪኽ 11 ለካቲትን ብኸመይ ኣገባብ ከም ትብዓልን ዝመፅእ መረፃ ህዝቢ ንኢህወዴግ ንክመርፅ እቶም ተጋደልቲ ነበር ክጉስጉሱ ከም ዘለዎምን እቶም መራሕቲ ናይቲ ኣኼባ ምስ ገለፁሎም በቶም ተኣከብቲ ሓያል ተቓዉሞ ከም ዝገጠሞ ተፈሊጡ።
     እቶም ካድረታት ምዝራብ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን በቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ተጋደልቲ ነበር ስለምታይ ኢኹም ቅድሚ ሕዚ ቆላሕ ኢልኩምና ዘይትፈልጡ መረፃ ምስ ቀረበኩም መጋበርያኹም ክትገብሩና ትፅዕሩ ዘለኹም?፥ ብዛዕባ ታሪኽ ለካቲት ድማ ንዓና ኣይትነግሩናን ኣብቲ ቃልሲ ኢና ኔርና 65 ሽሕ ደቂ ህዝቢ ከም ዝተሰዉእሉ ንፈልጥ ኢና። ብኣንፃሩ ግን ህዝብና ኣይተኻሕሰን ተጠሊሙ እዩ ብምባል ብሕቶን ተቓዉሞን ነቶም መራሕቲ ስለ ዘጨነቕዎም ካብቲ ኣኼብ ሕፍረት ተጎልቢቦም ብዘይ ፍረ ከም ዝወፁ ክፍለጥ ተኻኢሉ።