Wednesday, February 11, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ካድረታት ኢህወደግ ንተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞም ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብ24 ጥሪ 2007 ዓ/ም ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ልኡኽ ካድረ ኢህወደግ ዝኾነ ይርጋ ዝተብሃለ ትግራዋይ ንተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣኪቡ ስለ ምንታይ ኢኹም ንተቓወምቲ ዉድባት ትድግፉ ዘለኹም?፥ እዞም ተቓወምቲ እዚኦም ምስ ፀረ ሰላም ሓይልታት ርክብ ኣለዎም፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን እኳ ዉድባት ሰማያዉን ሓድነትን 5ፖላዊስ ወቒዖምልና፤ ስለዚ ኣይትደግፍዎም ኢሉ ክዛረብ ኣብ ዝጀመረሉ ህዝቢ ብወገኑ ፖላዊስ ተወቒዖምና ጥራሕ ካብ ትብሉ ነቶም ብፖላዊስ ዝተወቕዑ ዘይትዛረበሎም፤ ኣይኮነን ንስኻ ልዕሌኻ ዘለዉ’ዉን ክፈትሕዎ ኣይክእሉን ንስኻ ዓቕሚ የብልካን ዘይዓቕምኻ ድማ ኣይትዛረብ ከም ዝበልዎ ተፈሊጡ።
     ወሲኾም እቶም ተኣከብቲ ቅንዕና እንተዝህልወካ ብዛዕባ እቶም ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ዘለው 11 ንፁሃት ሲቪላትን ብዛዕባ እቶም 20  ጨዊኹም ዝወሰድኩሞም ምተዛረብካሎም ኔርካ ዘይዓቅምኻ ልእኽቶ ሒዝካ መፂኽ ክተታልለና ኣይትፈትን ዝብል ሓያል ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።