Sunday, February 8, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናይ መረፃ ምዝገባ ዘካይዱ ሰባት ብዘይ ኣበል ኣይንሰርሕን ስለ ዝበሉ ዓንቀፍቲ እናተባህሉ ይእሰሩ ምህላዎም ተፈሊጡ።



   ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ሑመራ፤ማይ ካድራ፤ ወልቃይትን ኣብ ምዝገባ መረፃ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ናይዚ ንሰርሖ ዘለና ኣበል ይከፈለና ኢሎም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ኣበል የለን ስቕ ኢልኩም ስርሑ ስለ ዝተብሃሉ ስለ ምንታይ ዋጋ ድኻምና ዘይንኽፈል ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣወንታዊ ምላሽ ዝህብ ኣካል ምስ ሰኣኑ ካብቲ ስራሕ ደዉ ከብሉ ከም ዝተገደዱ ተገሊፁ።
   በዚ መሰረት ድማ ብካድረታት ህወሓት ዓንቀፍት መረፃ ብምባል ኣይተ ተስፋይ መኮነንን ወ/ሮ ኣብረሀት ገብረመድህንን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም ነበርቲ ከተማ ወልቃይት፣ ን6 ወርሒ ብእስራት ከም ዝተፈረዱ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም።