Sunday, February 8, 2015

ሰበ ስልጣን ህወሓት ኢህወዴግ ጉጅለ ባህሊ ትግራይ ብምሓዝ ኣብ መላእ ትግራይ ናይ ምረፁና ጎስጓሳት የካይዱ እኳ እንተሃለዉ ተቐባልነት ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ።



     ኣብ መላእ ትግራይ ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህወሓት ዝኾኑ ስብሓት ነጋ፤ ኣርከበ ዕቑባይ፤ ብርሃነ ገብረክርስቶስን ካልኦትን ብምዃን ኣብ ሙሉእ ትግራይ ብፍሉይ ድማ ኣብ ከተማ ሸራሮን ከባቢኡን ጉጅለ ባህሊ ትግራይ ብምሓዝ ናይ ቀደም ደርፍታት ገድሊ ንክድረፉ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ንክመርፆም ላዕልን ታሕትን ይብሉ ከም ዘለው ተፈሊጡ።

    ሰበ ስልጣን ህወሓት ነቲ መሪር መስዋእቲ ከፊሉ ናብ መንበረ ስልጣን ዘደየቦም ህዝቢ ትግራይን ነቶም ኣብ እዋን ሕሉፍ ገድሊ ኣብ ምልዕዓል ሞተር ናይቲ ቃልሲ ኮይኖም ዝሰርሑ ጉጅለ ባህሊ ትግራይን ረሲዖም ውልቃዊ ናብራኦም ኣብ ምጥጣሕ ጥራሕ ከም ዘይነበሩ ሕዚ ካብ ስልጣኖም ከይጎሓፉ ስለ ዝሰግኡ መረፃ ክሳብ ዝሓልፍ ይመፃደቑሎምን ከም መሳርሒ ይጥቀምሎምን ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   ብተወሳኺ ነቶም ናብ ሙሉእ ከተማታት ትግራይ ዝዞሩ ዘለው ሰበ ስልጣን ህወሓት ክሳብ ሕዚ ኣበይ ኔርኩም? ምርጫ ምስ ኣኸለ ዲኹም ትዝክሩና ብምባል  ህዝቢ ይነፅጎም ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።