Wednesday, February 11, 2015

ነበርቲ ከተማ ዓድዋ ብሰንኪ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዳስትርን እታ ከተማ ስራሕና ክነሳልጥ ኣይከኣልናን ክብሉ ብምረት ገሊፆም።



    ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ  ነበርቲ ከተማ  ዓድዋ ዝኾኑ ወገናትና  ናይ ንግዲ ፍቃድ ንምውፃእ ናብ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንድስትርን እታ ከተማ ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ እቶም ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ብጉቦን ኣድልዎን ስለ ዝፍፅምዎ እቶም ወገናት ኣዝዮም ተፀጊሞም ከም ዘለው ተፈሊጡ።
        ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዳስትርን ከተማ ዓድዋ ጉቦ ንዝሃቦምን ብዝምድና ንዝቐርቦምን ሰብ ቅልጡፍ ግልጋሎት እንትህብዎ ነቶም ጉቦ ዘይከፈሉ ድማ የተዓናቕፍዎ ከም ዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ጉዕዙይ ኣሰራርሓ መፍትሒ ንክግበረሎም ሰባት ተኣኻኺቦም ናብ ሓላፊ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ገብረኪዳን ኣለምሰገድ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ከምኡ ዝገብር ሰራሕተኛ የብልናን  ስሞም ኣይተፀልምዎም ብምባል ከም ዝመለሰሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።