Friday, February 13, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቢሮ ሓበሬታ ዋልታን ፋናን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መብዛሕቲኦም ኣባላት ናይቲ ስርዓትን ብዘመድ ኣዝማድ ዝተቖፀሩን ከም ዝኾኑ ምንጭታትና ካብቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፆም።



    ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ቢሮ ሓበሬታ ዋልታን ሬድዮ ፋናን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ኣባላት ናይቲ ስርዓትን ብዘመድ ኣዝማድን ከም ዝተቖፀሩ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ድማ ናይ ዋልታ ሓላፊ ዝኾነ አይተ ተተካ በቀለን በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ፋንታየ ጌታነህ ናይ ዋልታን ፋናን ጥምረት ዝኾነ ዋፋ ዝተብሃለ ትካል ጀነራል ማርኬቲንግ ሓላፊት ዝኾነትን ብሓባር ብምዃን 15 ሰራሕተኛታት ኣዝማዶም ናብቲ ትካል ከም ዝቖፀሩ ተፈሊጡ።
    በዚ መሰረት ድማ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ፅሕፈት በቲ ዘሎ ቤተሰባዊ ምሕደራ የማረሩ ከም ዘለው ምንጭታትና ወሲኾም ሓቢሮም።