Friday, February 13, 2015

ኣባል ውድብ ዓረና ዝኾነ ኣይተ ሕድሮም ሃይለስላሴ ኣሸበሪ ተባሂሉ ምስ 2ተ ጣልያናውያንን 5ተ ኢትዮጵያዊያንን ከም ዝተኣሰረ ተፈሊጡ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ነባሪ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ዝኾነ ኣባል ዓረና ኣይተ ሕድሮም ገብረስላሴ 2 ጣልያናውያንን 5 ኢትዮጵያዊያንን ብ15 ጥሪ 2007ዓ/ም ሰዓት 12 ምሸት ናብ ገዝኡ ኣትዮም ስለ ዝተብሃለ ኣሸበርቲ ኢኹም ብምባል ክሳብ ሕዚ ኣብ ፖሊስ ጣቢያ ከተማ ኣፅቢ ወምበርታ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ እቶም ኣሽበርቲ ዝተብሃሉ ወፃእተኛታትን ኢትዮጵያውያንን ኣይተ ሙሉጌታ ዝተብሃለ መራሒ መኪና ሒዝዎም ዝኸደ ቱሪስት ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ ካድረታት እቲ ስርዓት ብተደጋጋሚ ንኣይተ ሕድሮም ገብረስላሴ ኣባል ህወሓት ኢህወዴግ ንኽኸውን ብገንዘብ ክድልልዎ ፈቲኖም ስለ ዝኣበዮም ብኣሸባሪ ክኸስዎ ደልዮም ዝመሃዝዎ ሕሱር ተንኮል ምዃኑ ተፈሊጡ።