ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ብ22 ግንቦት 2007 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ስርዓት
ህወሓት/ኢህወዴግ ብተኣከብቲ ካብ ዝቐረበ መረረት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሽረን ኣኽሱምን ተኣሲሮም ዝርከቡ ዜጋታት ፍትሓዊ ብዘይኮነ
ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ በደላት በፂሕዎም ፍታሕ ክግበረሎም ኣብ ዝጠርዕሉ ሰማዒ ስኢኖም ንዝኸፈአ ሞትን ስቓይን ይሳጥሑ ከም ዘለዉ
ብመረዳእታ ኣሰንዮም ምቕራቦም ተፈሊጡ።
እቶም
ተኣከብቲ ወሲኾም ኣብ ዝቕረብዎ ሓሳብ ደቅናን ኣሕዋትናን ብዘይ ጭቡጥ መረዳእታ ብገበን ተጠርጢሮም ናብ ኣብያተ ህንፀት ብኣካላት
ፀጥታ እናተደጎኑ ዝወርዶም ዘሎ ሰፍ ዘይብል በደል ፍታሕ ክግበረሎም ስለ ዝጠርዑ ጥራሕ ካብ ቤት ህንፀት ሽረ ናብ ደባርቕ ልዕሊ
130 እስራት ካብ ቤተሰቦም ንምርሓቕ ኣብዚ ቅንያት እንትለኣኹ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣኽሱም‘ዉን ናብ ወሎን ደባርቕን እናተሓፈሱ
ብተመሳሳሊ ምኽንያት ንሞትን ሕማም ኣእምሮን ይቃልዑ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
ኣብቲ
ኣኼባ ከምዚ ዓይነት ግልፂ ሓሳብ ዘቕረቡ ተኣከብቲ ይባልህ ታዘበ ነባሪ ቀበሌ 05፤ ካሕሳይ ገሰሰዉን ካልኦትን ዝርከብዎም እንትኾኑ
ብካድረታት እቲ ስርዓት ጥቡቕ ክትትል ይግብረሎም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።