ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና ዓፋኒ ጉጅለ ኢህወዴግ ናብ ከተማ ሑመራ ኣሸበርቲ
ኣትዮምና ኣለዉ ብዝብል ጉልባብ ብሓደ ሰነ 2007 ዓ/ም ፌደራል ፖሊስ፤ ፍሉይ ሓይሊ፤ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ናይ ፀጥታ ኣካላትን
ብምዉፋር ኣብታ ከተማ ንዝንቀሳቐሳ ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ ከይንቀሳቐሳ ብምእጋድ ካብ ስርሐን ደዉ ኣቢሎም እንትፍትሽወን ከምኡ’ዉን
ገዛ ገዛ እናዘሩ ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ መንበሪ ገዛውትን ናይ ንግዲ ትካላትን ክፍትሹን ከፈራርሑን ከም ዝወዓሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እንተኾነ
ግን እቲ ገዛኢ ስርዓት ካብ ዘለዎ ስግኣት ተበጊሱ ዘካየዶ ተፍትሽ ድኣ’ምበር ኣብ’ታ ከተማ ዝኾነ ዓይነት ዘስግእ ኩነታት ከም
ዘይነበረ ዝገለፁ ምንጭታትና ብምዃኑ ድማ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ኢህወዴግ ብሽም ኣሸበሪቲ ንህዝቢ የሸብር ኣሎ ብምባል ነቲ ተግባር
ከም ዝኾነኖ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።