Wednesday, June 17, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ቤት ትምህርት ኣራት ኪሎ መምህር ዝኾነ ስዩም ዘሩ “ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ መረፃ ናይ ኢህወዴግ ስልጣን ስግግር እምበር ለወጢ ኣየምፅእን” ኢልካ ተባሂሉ ከም ዝተኣስረ ተገሊፁ።




ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ዋና ከተማ ሃገርና ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ  ኣራት ኪሎ ዘምህር ዝነበረ ተወላዲ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ላሊበላ  ዝኾነ መምህር ስዩም ዘሩ ዝተባህለ ንፁህ ዜጋ ብ23 ግንቦት 2007 ዓ/ም “ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ናይ መረፃ ዓይነት ምንም ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገርና ዝመርሕ ዘሎ ፓርቲ ንምዕጃብ ጥራሕ እዩ።”  ኢልካ ኣብ ክፍሊ ውሽጢ ንተማሃሮ ኣለዓዒልካ ተባሂሉ ከም ዝተኣሰረ ድሕሪ ምግላፅ  ቅድም ክብል እንተኾነ’ዉን ኣባል ኢህወዴግ ክኽውን ተሓቲቱ ኣይደልን ብምባሉ ጥራሕ ካብቲ ዝምህረሉ ዝነበረ ተወሲዱ ተኣሲሩ ምፅንሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
    ወሲኹ እቲ  ሓበሬታ ናይ ኢህወዴግ  ሰበ ስልጣናት ብናቶም መስመር ዘይከደን ናይቲ ፓርቲ ኣባል ኣይኮንን ዝበለን ዝተፈላለዩ ናይ ተንኮል ሽርሕታት እናፍሓሱ ሸሙ ብምጥፋእ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ክፅላእን ብሰነ ልቦና ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ ዝኸፍአ ጉድኣት ክበፅሖ ይገብሩ ምህላዎም ገሊፁ።