Wednesday, June 17, 2015

ኣብዚ ሰሙን እዚ ብሃገር ለኸ ዝተውሃበ ናይ 10ይ ክፍሊ ፈተና ኣብ ወረዳ ወረኢሉ ኣባል ሰማያዊ ፓርቲ ዝኾነ ተምሃራይ ብርሃኑ ቦጋለ ብኣመሓደርቲ ካብቲ ፈተና ከም ዝተባረረ ምንጭታትና ገሊፆም።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ወረኢሉ ኣብ ዝተወሃበ ናይ 10 ክፍሊ ሃገር ለኸ ፈተና ናይ ሰማያዊ ፓርቲ ኣባል ዝኾነ ተምሃራይ ብርሃኑ ቦጋለ ምንም ጥፍኣት ዘየብሉ ካብ ካልኦት ተምሃሮ ቀዲሕኻ ብምባል ሽሙ ብምጥፋእ ብካድረታት ናይ’ቲ ስርዓት ናብ ወረኢሉ ቤት ማእስርቲ ተወሲዱ ከም ዝተኣስረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
 ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝሓበርዎ ሰበ ስልጣናት ኢህወዴግ ካብ  ፅባሕ  እቲ መረፃ ጀሚሮም ንተቓወምቲ ዝመረፁን ኣባላት ንዝኾኑን ዜጋታት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናፈጠሩ ብምእሳርን  ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ዝተዋፈሩ እንትኾኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ምሁራትን ትምህርቲ ኣብ ምክትታል ዝርከቡ ኣካላት ሕብረተሰብን ትኹረት ብምግባር ዜጋ ኣብ  ሃገሩ ብነፃነት ትምህርቱ ከይከታትል የሸማቕቕዎ ምህላዎም ካብ’ቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።