ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ወረኢሉ
ኣብ ዝተወሃበ ናይ 10ይ ክፍሊ ሃገር ለኸ ፈተና ናይ ሰማያዊ ፓርቲ ኣባል ዝኾነ ተምሃራይ ብርሃኑ ቦጋለ ምንም
ጥፍኣት ዘየብሉ ካብ ካልኦት ተምሃሮ ቀዲሕኻ ብምባል ሽሙ ብምጥፋእ ብካድረታት ናይ’ቲ ስርዓት ናብ ወረኢሉ ቤት ማእስርቲ ተወሲዱ
ከም ዝተኣስረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝሓበርዎ ሰበ ስልጣናት ኢህወዴግ ካብ ፅባሕ እቲ
መረፃ ጀሚሮም ንተቓወምቲ ዝመረፁን ኣባላት ንዝኾኑን ዜጋታት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናፈጠሩ ብምእሳርን ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ዝተዋፈሩ እንትኾኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ምሁራትን
ትምህርቲ ኣብ ምክትታል ዝርከቡ ኣካላት ሕብረተሰብን ትኹረት ብምግባር ዜጋ ኣብ ሃገሩ ብነፃነት ትምህርቱ ከይከታትል የሸማቕቕዎ ምህላዎም ካብ’ቲ ዝበፅሓና
ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።