Monday, June 29, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዉፅኢት መረፃ ምንጋሩ ስዒቡ ቅሬታት ኣኸቲሉ ስለ ዘሎ በዚ ናዕቢ ከይለዓል ዝሰግአ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብታ ከተማ ብርክት ዝበሉ ዕጡቛት ኣውፊሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ቦረድ መረፃ ገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብቲ ብ16 ግንቦት ዝተኻየደ ምስሉይ ሃገራዉን ክልላዉን መረፃ ኢህወዴግ ዝለዓለ ድምፂ ህዝቢ ረኺቡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሚእቲ ካብ ሚኢቲ ከም ዝሰዓረ ብ15 ሰነ 2007 ዓ.ም ድሕሪ ምእዋጁ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድምፅና ተጭበርቢሩ እምበር ንውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ኣይመረፅናዮን ብምባል ክሳብ ሕዚ  ቅሬትኡ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እቲ ኣብታ ከተማ ብሰፊሑ ዝለዓል ዘሎ ተቐፃፃሊ ህዝባዊ ቅሬታታት ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ተሰጋጊሩ ካብ መንበረ ስልጣኖም ከይሕጉሕፎም ብወጥርን ስግኣትን ድቃስ ዝሰኣኑ መራሕቲ ጉጅለ ኢህወዴግ እቲ ካብ ህዝቢ ዝሰኣንዎ ኣሜኔታ ብሓይሊ ብረት ንምዉሓስ ብርክት ዝበሉ  ዑስባት ዕጡቛት ኣዋፍሮም ነቲ ነባሪ ሕብረተሰብ ኣበይ ኔርካ ናበይ ኢኻ ብምባል የፈራርሕዎን የጨናንቕዎን ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።