Monday, June 29, 2015

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ካብ ፋይናንስ ብልቓሕ ዝወሰድዎ ገንዘብ ኣይወሰድናን ብምባል ተገልቢጦም ገንዘብ ኣጠፋፊእኻ ብምባል ነቲ ዝኸፈሎም ሰራሕተኛ ፋይናንስ ከም ዝኣሰርዎ ተፈሊጡ።



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኣማሓደርትን ኣዘዝትን ካብ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ  እታ ከተማ   ስልጣኖም ተጠቒሞምን ንሰራሕተኛታት እናፈራርሑን ብእምነት ሃበና እናበሉ ዝወሰድዎ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር ኣይወሰድና ኢሎም ብምኽሓድ ተጣበቕቲ ሕጊ መሲሎም ብምቕራብ ነቲ ዝኸፈሎም ንፁህ ዜጋ  ናይ ሓሶት ክሲ መስሪቶም ኣብ እሱር ዳጒኖሞ ከምዘለው ምንጭታትና ካብታ ከተማ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
    እቲ ተኣሲሩ ዘሎ ሰራሕተኛ ፋይናንስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ “ኣነ ዘጠፋፋእኽዎ ገንዘብ የለን ኣመሓደርትን ኣዘዝቲን ምስ መሻርኽቶም ብምዃን ብመልክዕ ልቓሕ ብእምነት ሃበና ኢሎም ካባይ ወሲደም” ኢሉ ከረድእ እኳ እንተፈተነ እቶም ዳያኑ ግና ምስ’ቶም ሹመኛታት  ስለ ዝተሻረኹ ዝሃብካዮ ቃል ተቐባልነት የብሉን ስለ ዝበልዎ ኣብ እሱር ኮይኑ ፍርዱ ይፅበ ኣብ ዘለሉ ካብ ሓሙሽተ ዓመታት ዘይዉሕድ ማእስርቲ ክፍረድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት ከም ዘሎ ተፈሊጡ።