ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታታና ኣብ ከተማ ባህርዳርን ብር ቤቴን ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መምረፂ ነቑጣታት ድምፂ
ህዝቢ ብመጋበርያ ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ከም ዝተሰርቐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፂኢቱ ድማ ህዝቢ ድምፅና ተጭበርቢሩ ብምባል ህወከትን
ዕግርግርን ስለ ዘልዓለ በዚ ዝተደናገፁ ካድረታት እቲ ስርዓት ፖላዊስን ምልሽታትን ብምውፋር የፋራርሕዎን ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ
ከም ዝኸልከልዎን ተገሊፁ።
ብፍላይ ከዓ ኣብ ወረዳ ያቢ ጤና ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ተቓወምቲ ውድባት
ከይወዳደሩ ስለ ዝተኸልከሉ ብርክት ዝበለ ካርዲ ዝወሰደ ህዝቢ ከይመረፀ
ከም ዝተረፈ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ካድረታት እቲ ስርዓት ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ስለ ምንታይ ዘይተመርፁ ብምባል
ዘቕረብዎ ሕቶ “መረፅና ኣይመረፅና ኩሉ ኣብ ኢድኩም እዩ።” ክብሉ ከም ዝመለስሎም ተፈሊጡ።