Friday, June 19, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ጣብያ ሰረት ዝነብር ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ንዓረና መድረኽ ከም ዝመረፀ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ዓቢ ዓዲ  ጣብያ ሰረት ዝርከብ  ሕብረተ ሰብ ንህወሓት ብምቅዋም ንዓረና ስለ ዝመረፀ እቲ ድምፂ ህዝቢ ዘይተወሓጠሎም ናይ’ቲ ዞባን ወረዳን ኣማሓደርቲ ድማ ነቲ ህዝቢ ወገሐ ፀበሐ እናኣከቡ ንምንታይ ንህወሓት ዘይትመርፁ?፤  ንህወሓት መፅልኢኹም ምኽንያት እንታይ እዩ? እናበሉ ፀቕጥታት ብምፍጣር ካብ  ዕለታዊ ስራሕቱ የተዓናቕፍዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
    በቲ በብመዓልቱ በቶም ካድረታት ናይ’ቲ ስርዓት ንህወሓት ገዲፎም ዓረና ስለ ምንታይ መሪፅኩም ዝብል ገምጋም ዝቐርበሎም ዘሎ ነበርቲ ድማ “ኣብ ፀገምና ቆላሕ ኢልኩምና ዘይትፈልጡ  ሎሚ  ንዓረና መድረኽ  ምስ መረፅና ትመላለሱ ኣለኹም፤ ንሕና ድማ ዝመሰለና መሪፅና ኣለና።” ብምባል ከም ዝመለስሎም  እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።