Thursday, June 18, 2015

ኣብ ማእኸላይ እዝ ዝረከቡ ኣባላት ሰራዊት በቲ ዝካየድ ዘሎ ዓሌታዊ ናይ መዓርግ ምልመላ ዝተበሳጨው ወተሃደራት ዓርስ ቅተለት ይፍፅሙ ምህላዎም ተገሊፁ።



እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ናይ መበለ 23 ክፍለ ሰራዊት፤ 2 ሬጅመንት ኣብ 3 ሓይሊ ውሽጢ ናይ’ቲ ጉጅለ ምክትል ኣዛዚ ዝነበረ ዓሰረተ ሓለቓ ጫላ ጋዲሳ ዝተብሃለ ተወላዲ ኦሮሞ ወተሃደር “ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣንፃራዊ ዝኾነ ሓሳብ የቕርብ፤ ንሕገ መንግስቲ ተገዛኢ ኣይኮነን፤ንመንግስቲ የማርር።” ዝብሉ ፀለማታት ብምቕራብ መዓርግ ኣይግበኣካን ተበሂሉ ብኣዘዝቲ ውሳነ ስለ ዝተመሓላለፈሉ ተበሳጭዩ ዋርድያ ምስ ወፀ ዓረሰ ቅትለት ከም ዝገበረ ተገሊፁ።
 ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኢህወዴግ ዘሎ ኣብ ዕቤት፤ ንዝተፈላልዩ ጥቕማ ጥቕምን ኣብ ዝግበሩ ምልመላታት ላዕለዎት ናይቲ ሰራዊት ኣመራርሓ ፍትሓዊ ዘይኮነ ኣሰራርሓ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ኣድልዎን በደልን ይፍፅሙ ምህላዎም ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።