Friday, June 19, 2015

ኣብ ጅግጅጋ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ኢህወዴግ ስለ ዝተሳዕረ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ምቑፃር ድምፂ ተቛሪፁ እቲ ናይ መረፃ ሳንዱቕ ብካድረታትን ወታሃደራትን እቲ ስርዓት ከም ዝተሰረቐ ተፈሊጡ።



እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ክልል ሶማሌ ጅግጅጋ ዩኒቨርሲቲ  ካብ 17 ናብ 18 ግንቦት 2007 ዓ/ም ኣብ ዘዉግሕ ለይቲ እቲ መረፃ ተኻይዱ  ምቑፃር ድምፂ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ኢህወዴግ ከም ዝተሳዕረ  ዝፈለጡ ካድረታት እቲ ስርዓት ምቑፃር ድምፂ ሙሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምዝዛሙ እቲ ድምፂ ዝሓዘ ሳንዱቕ ሰዓት 6 ለይቲ ብምክልኻል ስራዊት ከም ዝተሰርቐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነቲ ናይ መረፃ ሳንዱቕ ዝሰረቑ ኣብ እዚ ምብራቕ ናይ 13 ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራት ከም ዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ተምሃሮን ማሕበረሰብን ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ኮነ ተባሂሉ ድምፅና በቲ ስርዓት ተቐናቢሩ ክስረቕ ተጌሩ ብምባል ናብ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ጥርዓኖም ኣብ ዘቕብሉ እዋን ሰማዒ ስለ ዝሰኣኑ ተቓዉምኦም ይቕፅልሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።