Monday, June 29, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካድረታት ኢህወዴግ መዓልቲ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ንህዝቢ ኣኪቦም ንከይዲ መረፃ ኣልዒሎም ንህዝቢ ምዉቃስ ኣብ ዝጀመሩ ከቢድ ተቓዉሞ ከም ዝገጠሞም ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበሩ ምንጭታትና ገሊፆም።



ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ብ15 ሰነ 2007 ዓ.ም ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመት ዝወደቑ ሰማእታት ንምዝካር ብዝብል ምኽንያት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ዝነበሩ ካድረታት እቲ ስርዓት ብዛዕባ እቲ ዝፀዉዕዎ ዝኽሪ ሰማእታት ገዲፎም ብዛዕባ ብ16 ግንቦት ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ኣላዒሎም ኣብዚ ኣኼባ ንዓና ዝመረፁን ዘይመረፁን ብሓደ ኣኪብና ነዘራርበኩም ዘለና ዉፅኢት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ኢዩ እናበሉ ብምጅሃሮም ዝቃሓሩ ተኣከብቲ ተቓዉሞ ከም ዘስምዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ተኣከብቲ ኣብ ተቓዉምኦም ዝሓለፉ ሰማእታት ንስኹም ዘይኮንኩምስ ደቂ ህዝቢ እዮም፤ ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ኢሎም ዝተሰዉኡ እምበር መሸቀጢ ኣይኮኑን ሕዚ’ዉን ብዛዕባ ዝተኣከብናሉ ዝኽሪ ሰማእታት ድኣ ክንዘራርብ ኣለና እምበር ዝሓለፈ መረፃ እናልዓልኩም ሕልናዊ ዕርፍቲ ኣይትኽሉኡና ብምባል ኣምሪሮም ብምቅዋም እቲ ኣኼባ ብዘይፍረ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ።
እዚ ከዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ኣርከበ ዕቁባይ ዝመርሖ መዓልቲ ሰማእታት 15 ሰነ ክንዝክር ብምባል ህዝቢ ኣኪቡ ኣብ ክንዲ ንሰማእታት ክብሪ ሒብካ ምዝካር ኣብ ልዕሊ መቓብር ሰማእታት ጓይላን ዳንኬራን ስተ ብላዕን ብሽም ሰማእታት ምሽቃጥን ሕሱር ተግባርን መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ እዩ እንትብሉ ስድራ ሰማእታትን ግዱሳት ዜጋታትን መዛረቢ ዛዕብኦም ገይሮሞ ከምዘለው ምንጭታትና ካብ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ የረድእ።