Monday, June 29, 2015

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ስልጣኖም ተጠቒሞም ኣንስቲ ሓዳር ይዕምፁ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ገሊፆም።



     ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ  ኢሮብ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ ሓዳር ብዕልግና ይፍፅሙ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ኣብዚ ኣፀያፊ ስራሕ ዝተዋፈረ ሓደ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ታደሰ ሓጎስ እንትኾን ንሱ  ብ8 ሰነ 2007 ዓ/ም ብዕልግና ክፍፅም ኢድ ብኢድ ምስ ተታሕዘ ንግዝይኡ ብተበደልቲ ተኸሲሱ ተኣሲሩ‘ኳ እንተሎ እቲ ዘሎ ስምዒት ህዝቢ ምስ ተረጋገዐ ክፈትሕዎ እዮም ዝብል ስግኣት ኣብ ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እዚ ብኣማሓደርትን ካድረታትን ህወሓት/ኢሕወዴግ ስልጣኖም ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ  ዝፍፀምዎ ዓመፅ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጥራሕ ዘይኮነሰ ኣብ ሃገርና ክካየድ ዝፀነሐን ዘሎን ኣፀያፊ ተግባር ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ከም ሳዕቤኑ ድማ ስድራ ቤታትን ሓዳርን ይብተን  ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ተገሊፁ።