Thursday, June 25, 2015

ግዕዝይና ባህሎም ዝገበሩ መራሕቲ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኣየረጋግፁን!!



መራሕቲ ኢህወዴግ ደረጃ መነባብሮ ህዝብና ብዕፅፊ ከም ዝወሰኸ ኣምሲሎም ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና፣ ዘይኩርምትኻስያ ሑፃ ቆርጥመሉ ኮይኑ‘ምበር ህዝብናስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ መነባብሩኡ እናኸፍአ ንዝለዓለ ፀገማት እናተቓለዐ እዩ ዝርከብ፣ እቲ ሰለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ክትበልዕ ኢኻ ተባሂሉ ቅድሚ 24 ዓመታት ቃል ዝተኣተወሉ ህዝቢ ክሳብ ሎሚ ዓርሱ ምኽኣል ተሳኢኑዎ ተፀባዪ ረዲኤት ኮይኑ ህይወቱ ይመርሕ ኣሎ።
   ኣብዚ ሕዚ እዋን ተመሲሑ ዘይድረር፤እንተቖሪሱ ዘይምሳሕ ዜጋ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ፣ ኣብ ከብዲ ፅጉብ የለን ጥሙይ  ኮይኑ‘ምበር እቲ ስራሕ ኣለዎ ዝበሃል ሲቪል ኣገልግሎት ወሃባይ’ውን እንተኾነ ሓሙሽተ ንዓሰርተ ሓደ ዝብል ናይ ኣመጋግባ ስልቲ እናተጠቐመ እዩ ህይወቱ ይመርሕን ናህሪ ዋጋታት ሰማይ ስለዝዓረጎ ክራይ ገዛ ካብ ደመወዙ ንላዕሊ ኮይኑ ዝሓሰረ ንኽረክብ ክብል ናብ ኣዝዩ ጫፍ ከተማታት እናኸደ ደረጅኦም ብጣዕሚ ኣብ ዝወረደ መንበሪ ገዛውቲ ንኽነብር ዝተግደድ ዘሎ።
     መራሕትን ኮራኹርን ኢህወዴግ ግን ብርግፅ ሓሊፉሎም እዩ፣ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ህንፃታት ኣስሪሖም፤ እቲ ገሊኡ እንትነብሩሉ እቲ ዝተረፈ ድማ ብኣሸሓት ዶላራት ንወፃእተኛታት እናካረዩ ቁፅሩ ብልክዕ ዘይፈልጥዎ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ወፃኢ ሃገራት ባንክታት ኣቐሚጦም ስለ ዘለው ደረጃ መነባብሮ ህዝብና’ውን ብኡ ልክዕ ዝዓበየ ኮይኑ ይስመዖም ይኸውን።
     ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ዝፀደቐ ባጀት 2008 ዓ/ም ብጣዕሚ ብዝገርም መልክዑ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝበለፀ እቲ ዝዓበየ ባጀት ናይታ ሃገር ንምክልኻልን ድህንነትን እዩ ተሰሊዑ ዘሎ፣ እዚ ባጀት እዚ ኣብ ናይ ሰራዊት ደመወዝ ለውጢ ዘምፅአ’ውን አይኮነን፣ ኮይኑ ግን እቲ ተሰሊዑ ዘሎ ባጀት መዐደጊ ኣፅዋር፤ መሕነቒ ንፁሃት ወገናት፤መዐፈኒ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት፤ ንውልቀ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት መጠበሪ ተባሂሉ ኣብ ዘይመዓልኡ ዝወፅእ ዘሎ ሃፍቲ ሃገር’ዩ።
  ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገርና ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ዘይኮነትስ ንናይ ወፃኢ ዜጋታት ምችውቲ ኮይና ትርከብ፣ ብዙሓት ወፃእተኛታት ብሽም ኢንቨስትመንት ብዝሓሰረ ዋጋ መሬትና እናገዝኡ፤ ብዝሓሰረ ናይ ጉልበት ዋጋ  ዜጋታትና እናመዝመዙ ከም ድልየቶም ኣጣጢሖም ክነብሩን ልዑል ሃፍቲ ከኻዕብቱን ዕድል ተከፊትሎም ይርከብ።
እዞም ወፃእተኛታት ሰብ ሃፍቲ ካብ ወፃኢ ሃገራት ንዘእትዉዎ ዘይተኣደነ ንብረት ኢንቨስተራት ንምትብባዕ እናተብሃለ ግቡእ ዝኾነ ግብርን ቀረፅን ዘይኸፍሉ እዮም፣ እቲ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ መነባብሮ ዝመርሕ ህዝብና ግን ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ናይ ንግዲ ስራሕቲ ኣብ ዝጀመረሉ ምስ ኣታዊኡ ዘይመጣጠን ዘይተኣደነ ግብሪ ንክኸፍል ይግደድ ብምህላው ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ካብ ስራሕ ወፃኢ ንክኸውን ተፈሪዱ’ዩ።
    ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ለገስቲ ሃገራት ዝመፅእ ልቓሕን ሓገዝን ተስፋ ተገይሩ ዝወፅእ ባጀት ኣብ ክንዲ ንልምዓታዊ ስራሕቲ ክውዕል ምግባር ቀሊል ዘይበሃል ገንዘብ ብግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን ኣብ ካዝና መራሕቲ ይኣቱ፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ናይቲ ስርዓት ኣመራርሓ ብግዕዝይና ጠልቅዩ እናሃለወ ድማ ሃገር ክትምዕብል፤ መነባብሮ ህዝቢ ክመሓየሽ ፍፁም ዝከኣል ኣይኮነን፣ ግዕዝይና ቀንድን ዘይፍወስን ናይ ኢህወዴግ ሕማም ምዃኑ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣሚኖሙሉ ዝሓለፉ ዝተረጋገፀ ጉዳይ እዩ። 
እቲ ዝበዝሕ ባጀት ናይታ ሃገር ኣብ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ክውዕል እናተገብኦ ምስ ኢንተርፖል ተኣሳሲሩ ነቲ ስርዓት ንዝቃወሙ ሰባት ከም ወንጀለኛታት ኣምሲልካ ሓበሬታ ብምምሕልላፍን ንውልቀ ሰባት መትሓዚ ሚልዮናት ገንዘብ ወፃኢ እናገበርካ፤ ሓቀኛ ሓበሬታ ንዘመሓላልፋን ናይቲ ስርዓት ሕመቓት ንዘቃልዓ ሚድያታትን መዐፈኒ ዝኸውን ሚልዮናት ዶላራት ወፃኢ እናገበርካ፤ ኢኮኖሚ ሃገርና ክዓቢ፤ መነባብሮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክመሓየሽ ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ክህሉ አይኽእልን፣ ስለዚ ናብራን ዕብየትን ህዝብናን ሃገርናን ክረጋገፅ እንተደአ ተደልዩ ነቲ ፀረ ልምዓትን ዕብየትን ዝኾነ ስርዓት ኢህወዴግ ብህዝባዊ ቃልሲ ሓመድ ድበ እንትኣቱ ጥራሕ ምዃኑ ፈሊጥና ንዘይተርፍ ዓወት ዕጥቅና አስጢምና ክንቅፅለሉ ይግባእ።