Monday, June 29, 2015

ህወሓት/ኢህወዴግ ብሽም መዓልቲ ሰማእታት ክሽቅጥ ከቶ አይኽእልን!!



   ህወሓት/ኢህወዴግ ብሽም ስውኣትን ስድራ ስውኣትን እናሸቀጠ ኣብ ውልቀ ዋኒኑ ጥራሕ ኣድሂቡ ምዕንዳር ካብ ዝጅምር 24 ዓመታት ኣቁፁሩ ይርከብ።
  ዓመት መፀ ካደረታት ህወሓት/ማሌሊት 15 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ብደረጃ ክልል ትግራይ ክትዝከር ብምግባር እንተመደሩን እንተጨርሑን እቲ ሓቂ ግን ንምስሉይነቶም ዝያዳ ዘጉልሐን ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ብሓፈሻ ዓፊኖም ንምሓዝ ዝጥቀምሉ ዘለው ሜላ ምዃኑ እዝዩ ግልፂ እዩ።
   ህዝቢ ትግራይ ደቁ ናብ ቃልሲ መሪቑ እንትሰድድ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ኮይኑ ዝዕንድር ዝነበረ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ደምሲሱ ምስ ዓሓት ብሄር ብሄረሰባት ሃገሩ ኢትዮጵያ መሰሉ ተኸቢርሉ ብመንነቱ ኮሪዑ ዝነብረላ ሃገር ንምርኣይ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ጠላም ህወሓት/ማሌሊት ግን ክውን ክኸውን ኣይከኣለን።
   መራሕቲ ህወሓት ማሌሊት ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝጓሓልዎ ገንዘብ ተጠቒሞም ባዕሎምን ስድረኦምን እንትዕንድርሉ ወለዲ  ስውኣት ግን ጠዋሪ ሲኢኖም ኣብ ሕሰምን መከራን እንትነብሩ ብኣንፃሩ  እቶም ብደምን መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ዝዕንድሩ ዘለው ሰበ-ስልጣን ግና ቁሊሕ ክብልዎም ኣይተራኣዩን ጥራይ እንተይኮነስ ኣብ ልዕሊ ስውኣት ዘለዎም ጥልመትን ክሕደትን በዘሕዝን መልክዑ ይቕፅልሉ ምህላዎም’ዩ።
ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፈ 16/ግንቦት/ 2007 ዘካየዶ ዘይፍትሓዊ መረፃ “ሓርማዝስያ ማዓኮሩ ኣሚኑ ጉንዲ ይውሕጥ” ከም ዝበሃል መራሕቲ ኢህወዲግ  ብዘውርድዎ ቀጥታዊ ትእዛዝ፣ አብ ልዕሊ ንፁህ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ተፅዕኖታት ንምፍጣር ብዕጥቋቶም ኣቢሎም ሰብኣዊነት ዘይብሉ ናይ ምፍርራሕ፤ መግረፍትን መቕጠልትን ስጉምትታት እናወሰዱ አብ ዘለውሉ እዋን እቲ ዝተኻየደ ምስሉይን ዝተጨበርበረን መረፃ፣ ሳላ 15 ሰነ መዓልቲ ሰማእታትን ዝተረኽበ ዓወት’ዩ ምባሎም ሕዚውን ነቶም ንስለ ምስፋን ዴሞክራሲ ኢሎም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰማእታት ምብጫው ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ አይኽእልን።
    ስርዓት ህወሓት/ኢህወደግ ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ ናይ ምፅሓፍ፤ ምዝራብን ምውዳብን መሰል ምኽልካል፤ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ተቃወምቲ ውድባትን ኣባላቶምን ብዘስካክሕ መንገዲ ግፍዒን በደልን እናፈፀመ ስርዓተ ዴሞክራሲ ክንሃንፅ ፃዕርታት የካይድ አለኹ እኳ እንተበለ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ዴሞክራሲ፤ ፍትሕን ሰናይ ምሕደራን ክርኢ አይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ብሻምቦቆ ብረት ተዓጂቡን ዝተፈላለዩ ተንኮላት ተማሂዞሞን ፍፁም ኢ-ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣቐዲሙ ንዝተዛዘመ ምስሉይ መረፃ ብሽም ሰማእታት 15 ሰነ ክሽቅጥ ከቶ ከምዘይኽእል ክፈልጥ ምተገበአ።
እቲ ምንታይ  እቲ ስርዓት ከምዝብሎ ክሳብ ሕዚ ዝተኻየዱ  መረፃታት ዕውታትን ፅፍፋትን ብዝኾነ አካይዳ ንዘይተዛዘሙ ምስሉይ፤ ዝተጭበርበረን ናይ ህዝቢ ድምፂ ዝተሰረቐሉን ደም ንፅሃት ዜጋታትና ዝፈሰሰሉን ከይዲ መረፃ ናይ ስውኣትና ፍረ ብጋህዲ ዝረኣናሉ እንተይኮነስ ሕድሮም ዝተረገፀሉ ስለ ዝኾነ።