Wednesday, July 1, 2015

ኣብ ከባቢ ዓዲ ነብርኢድ ሓንቲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ፅዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ዋንነታ ናይ ማእከላይ እዚ ዝኾነት ፓትሮል ምስ ናይ ህዝቢ መማላለሲት ኣዉቶቡስ ተጋጪያ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከባቢ ዓዲ ነበርኢድ ፍሉይ ቦታ ማይ ዓሶ ዝብሃል ቦታ ካብ ሽረ ተበጊሳ ንሸራሮ ኣንፈት ብልዑል ናህሪ ትጓዓዝ ዝነበረት ዋንነታ ናይ  ማእኸላይ እዚ ታርጋ ቁፅሪ መከ 01226 ዝኾነት ፓትሮል ዝዓይነታ መኪና ቦትኣ ስሒታ ምስ ሓንቲ ህዝቢ ዝፀዓነት ኣብቶቡስ ብምግጫዋ ኣብታ ፓትሮል ተሳፊሮም ካብ ዝነበሩ  ክልተ እንትሞቱ ካልኦት ብከቢድ ዝቖሰሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
እቶም ዝሞቱ ሓለቓ ሚኢቲ ደምሴን ወተሃደር ትካቦ ወልዱን ዝተብሃሉ እንትኾኑ ካብቶም ብከቢድ ዝቖሰሉ ሓደ እቲ መራሒ መኪና ኮይኑ ወተሃደር ኣለሊኝ ከም ዝብሃል ንምፍላጥ ተኻኢሉ።