Wednesday, July 1, 2015

ኣብ ዓብደ-ራፊዕን ኣብርሃ-ጅራን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ወገናት ብተወለድቲ ናይ’ቲ ከባቢ ንብረቶም እናተመንጠሉ ይስጎጉን ሃለዋቶም ይጠፍኡን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ካብ’ቲ ቦታ ምንጭታትና ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከባቢታት ዓብደ-ራፊዕን ኣብርሃ- ጅራን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ኢንቨስተራትን ካልኦትን ብተወለድቲ ናይ’ቲ ክልል ዝኾኑ ሰባት ንብረቶምን መሬቶምን እናተመንጠሉ ካብቲ ቦታ ይስጎጉን ብኣካላት ፀጥታ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ እናተወሰዱ ሃለዋቶም ይጠፍእ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብ’ቶም ከም’ዚ ዝኣምሰለ መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞም ግዳያት ንምጥቃስ፤ መብራህቶም ወለተንሳይ ዝተብሃለ ኢንቨስተር ካብ መሬትካ ልቐቕ ምስ ተብሃለ ሕጋዊ መሬተይ እዩ ኣይለቅቕን ስለ ዝበለ ጥራሕ ብእሱር ናብ ኣብርሃ ጅራ ዝተወስደ እንትኾን ቤተሰቡ ድማ ኣብርሃ ጅራ ናብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ከይዶም  ሃለዋቱ ኣብ ዝሓተትሉ እዋን በቶም ኣምሓደርትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ኣይንፈልጥን ዝብል መልሲ ከም ዝተዉሃቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ብተመሳሳሊ ኣብቲ ከባቢ ካድረታትን ኣመሓደርትን ኢህወዴግ ዝፈጠርዎ ናይ ዓሌት ፖለቲካን ግዑዙይ  ምሕደረኦምን ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረሰባት ምትፍናን ክፍጠርን ነንሕድ ሕዶም ንክጋጨውን ብዝገብርዎ እከይ ግብሪምግባር ብ8 ስነ 2007 ዓ.ም ኣብ ከባቢ ዓብደ-ራፊዕን ኣብርሃ-ጅራን  ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ዘየድሊ ስጉምቲ ይፍፀም ከም ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገልፅና ምንባርና ይፍለጥ።